Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

fortune tellers and psychics


ዘሌዋውያን 20:6 | 12 Helpful votes

ናብቶም መናፍስቲ ጥንቈላ ዘለውዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ብምንዝርና ኽትስዕቦም ኢላ እትምለስ ነፍሲ፡ ኣነ ገጸይ ናብታ ነፍሲ እቲኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ መንጎ ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:31 | 12 Helpful votes

ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

Translation | Context
ዘዳግም 18:10-13 | 11 Helpful votes

ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1-3 | 9 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ። ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ፡ ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም አሎ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 10:13-14 | 7 Helpful votes

ሳኦል ከኣ ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላውን ነታ ጠንቋሊት ምኽሪ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ብዝበደሎ በደል ሞተ። ንእግዚኣብሄር ኣይጠየቐን፡ ስለዚ ቐተሎ፡ ነታ መንግስቲ ኸኣ ናብ ዳዊት ወዲ እሴይ ኣዛወራ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 8:19 | 6 Helpful votes

ነቶም ብሕሽዂሽዂን ብሰላሕ ላሕን ዚዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ፡ እንተ በሉኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ህዝቢዶ ንኣምላኹ ኣይሐትትን፡ ብዛዕባ ህያዋንሲ ንምውታትዶ ይሐትት እዩ፧ ኢልኩም ምለሱሎም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 16:16-19 | 5 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና። ንሳ ኸኣ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ባሮት ልዑል ኣምላኽ እዮም፡ መገዲ ምድሓን ከኣ ይምህሩኹም አለዉ፡ ኢላ እናጨደረት፡ ኣስኣሰር ጳውሎስን ኣስኣሰርናን ሰዐበት። ከምዚ እናበለት ከኣ፡ ብዙሕ መዓልቲ ገበረት። ጳውሎስ ድማ ጒህዩ፡ ግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስ፡ ካብኣ ኽትወጽእ፡ ብስም የሱስ እእዝዘካ አሎኹ፡ በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወጸ። ጐይተታ ድማ ተስፋ ረብሓኦም ከም ዘባተኸ ምስ ረአዩ፡ ንጳውሎስን ሲላስን ሐዝዎም ናብቶም ሹማት ከኣ ናብ ዕዳጋ ሰሐብዎም እሞ፡

Translation | Context
ዘዳግም 18:9-12 | 4 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም።

Translation | Context
ዘዳግም 18:20-22 | 4 Helpful votes

እቲ ብድፍረቱ ብስመይ ዘይኣዘዝክዎ ቓል ዚዛረብ ነብዪ፡ ወይ ብስም ካልኦት ኣማልኽቲ ዚዛረብ፡ እቲ ነብዪ እቲ ይሙት፡ ብልብኻ ድማ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ከመይ ጌርና ንፈልጦ፡ እንተ በልካ፡ እቲ ነብዪ ብስም እግዚኣብሄር ምስ ተዛረቦ፡ እቲ ነገር እንተ ዘይኰነ፡ እንተ ዘይመጸ፡ እዚ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ምዃኑ ምልክት ይኹንካ። እዚ እቲ ነብዪ ብድፍረት እተዛረቦ እዩ፡ ኣይትፍርሃዮ።

Translation | Context
ራእይ 21:8 | 3 Helpful votes

እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 21:6 | 3 Helpful votes

ንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎ፡ ብደበናን ብተመንን ገይሩ ድማ ይጥንቊል ነበረ፡ መናፍስቲ ዚሐቱን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ከኣ ገበረ። ምእንቲ ኬዀርዮስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፋእ ገበረ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:27 | 3 Helpful votes

ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ መንፈስ ጥንቈላ እንተለዎ፡ ወይ መውደቕ ዛዕጐል እንተ ዀነ፡ ሞት ይሙት፡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

Translation | Context
ዳንኤል 2:27 | 3 Helpful votes

ዳንኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ ነዛ ንጉስ ዙሐተላ ዘሎኢ ምስጢርስ እቶም ጠቡባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን ንንጉስ ኪነግርዎ ኣይኽኣሉን እዮም፣ ኢለ መለሰ።

Translation | Context
ዘጸአት 22:18 | 2 Helpful votes

ንጠንቋሊት ብህይወት ኣይትሕደጋ።

Translation | Context
ራእይ 22:15 | 2 Helpful votes

እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመናዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም።

Translation | Context
ዘዳግም 18:10-12 | 2 Helpful votes

ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 19:18-20 | 2 Helpful votes

ካብቶም ዝአመኑ ኸኣ ብዙሓት ነቲ ዝገበርዎ እናተአመኑን እናነገሩን መጹ። ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዂሉ ኣንደድዎ። ዋጋኡ እንተ ተጸብጸበ ኸኣ፡ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኰይኑ ተረኽበ። ቃል ጐይታውን ከምዚ ኢሉ ብሓይሊ ዐበየን በርትዔን።

Translation | Context
ኢሳይያስ 47:13 | 2 Helpful votes

ብብዝሒ ምኽርታትኪ ደኸምኪ፡ እቶም ፈለጥቲ ትእምርቲ ሰማይን እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብትን እቶም ነቲ ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ዚረኽበኪ ዚነግሩኽን ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ።

Translation | Context
ዘዳግም 18:10 | 2 Helpful votes

ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡

Translation | Context