Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

forgiving sins


1ይ ዮሃንስ 1:9 | 11 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:16 | 8 Helpful votes

እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።

Translation | Context
እብራውያን 10:17 | 5 Helpful votes

ደጊም ሓጢኣቶምን ዓመጻኦምን ከቶ ኣይክዝክርን እዩ፡ ይብል።

Translation | Context
ማርቆስ 11:25 | 5 Helpful votes

ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሐድገልኩም፡ ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ አሎኩም፡ ሕደጉሉ።

Translation | Context
ሉቃስ 17:3-4 | 4 Helpful votes

ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ሓውካ እንተ በደለካ፡ ግንሐዮ፡ እንተ ተጣዕሰ፡ ሕደገሉ። ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ እንተ በደለካ፡ ተጥዒሰ እናበለ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመልሰ፡ ሕደገሉ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 7:14 | 4 Helpful votes

እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:37 | 4 Helpful votes

ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:7 | 4 Helpful votes

ኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:32 | 4 Helpful votes

ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:38 | 3 Helpful votes

ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:26-27 | 3 Helpful votes

ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሃብዎ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 3:19 | 3 Helpful votes

እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 10:43 | 3 Helpful votes

ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚረኽብ፡ ኲሎም ነብያት ይምስክሩሉ አለዉ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:13 | 3 Helpful votes

ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:9 | 3 Helpful votes

ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱ፡ ነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ።

Translation | Context
ሉቃስ 15:11-32 | 2 Helpful votes

በለ ድማ፥ ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። እቲ ንእሽቶ ኸኣ ነቦኡ፥ ኣቦይ፡ ካብዚ ጥሪት እቲ ዚበጽሓኒ ግደ ሃበኒ፡ በሎ። ነቲ ገንዘቡ ኸኣ መቐሎም። ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ኸኣ እቲ ንእሽቶ ወዲ ዘለዎ ዅሉ ኣኪቡ፡ ናብ ካልእ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ጥሪቱ ብቕለትን ዕብዳንን ዘረዎ። ዘለዎ ዘበለ ምስ ወድኤ፡ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። ንሱ ኸኣ ኪስእን ጀመረ። ከይዱ ምስ ሓደ ኻብ ደቂ እታ ሃገር እቲኣ ተዋዓዓለ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓሰማታት ኪጓሲ፡ ናብ ምድሩ ሰደዶ። ካብቲ ሓሰማታት ዚቕለባኦ ቛርፍ ከብዱ ኺመልእ ከኣ ሃረር ይብል ነበረ፡ ዚህቦ ግና ሓደ እኳ ኣይረኸበን። ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ በለ፥ እንጌራ ዚተርፎም ግዙኣት ኣቦይ ክንደይ እዮም። ኣነ ግና ኣብዚ ብጥሜት እመውት አሎኹ። ተንሲኤ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሕጢኣት ገበርኩ። ደጊም ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ፡ ክብሎ። ተንሲኡ ናብ ኣቦኡ ኸደ። ኣቦኡ ድማ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፡ ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዓሞ። እቲ ወዲ ድማ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ፡ ደጊምሲ ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ በሎ። ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፥ ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፡ ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ፡ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ፡ ንብላዕ፡ ንተሐጐስ፡ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ። እቲ ዓብዪ ወዱ ግና ኣብ ወፍሪ ነበረ። መጺኡ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀረበ፡ ኰበሮን ጓይላን ሰምዔ። ካብቶም ግዙኣት ንሓደ ጸዊዑ፥ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፥ እቲ ሓውካ መጺኡ እሞ ኣቦኻ፡ ብደሓኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ስብሕቲ ላም ሐሪድሉ፡ በሎ። ንሱ ግና ኰረየ ምእታውውን ኣበየ። ኣቦኡ ኸኣ ወጺኡ ለመኖ። ንሱ ግና ነቦኡ፡ እንሆ፡ ክንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ፡ ካብ ትእዛዝካውን ከቶ ኣይሐለፍኩን። ንኣይሲ ምስ ኣዕሩኸይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ እኳ ኣይሃብካንን። እዚ ንገንዘብካ ምስ ኣመናዝር ኰይኑ በሊዑ ዝወድኤ ወድኻ ምስ መጸ ግና፡ ስብሕቲ ላም ሐረድካሉ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፥ ወደይ፡ ንስኻስ ኵሉ ሳዕ ምሳይ አሎኻ፡ ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ። እዚ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ክንሕጐስን ባህ ኪብለናን ይግባኣና እዩ፡ በሎ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:27 | 2 Helpful votes

ንኣኻትኩም ንትሰምዑ ግና እብለኩም አሎኹ፥ ጸላእትኩም ኣፍቅሩ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ።

Translation | Context
ማርቆስ 10:1 | 2 Helpful votes

ካብኡ ተልዒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ይሁዳን ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስን መጸ። ከም ብሓድሽ ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተአከበ፡ ከምቲ ልማዱውን መሊሱ መሃሮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:21-22 | 2 Helpful votes

ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ፡ ጐይታይ፡ ሓወይ እንተ በደለንስ፡ ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ በሎ። የሱስ በሎ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር፡ ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን።

Translation | Context
ማርቆስ 2:10 | 2 Helpful votes

ወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ - ነቲ መጻጕዕ፡

Translation | Context