Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

forgiving others


ኤፌሶን 4:32 | 12 Helpful votes

ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።

Translation | Context
ማርቆስ 11:25 | 9 Helpful votes

ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሐድገልኩም፡ ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ አሎኩም፡ ሕደጉሉ።

Translation | Context
ሉቃስ 17:3-4 | 9 Helpful votes

ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ሓውካ እንተ በደለካ፡ ግንሐዮ፡ እንተ ተጣዕሰ፡ ሕደገሉ። ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ እንተ በደለካ፡ ተጥዒሰ እናበለ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመልሰ፡ ሕደገሉ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:37 | 7 Helpful votes

ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:14 | 7 Helpful votes

ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኹም እዩ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:13 | 6 Helpful votes

ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:21-22 | 5 Helpful votes

ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ፡ ጐይታይ፡ ሓወይ እንተ በደለንስ፡ ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ በሎ። የሱስ በሎ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር፡ ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:9 | 4 Helpful votes

ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱ፡ ነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ።

Translation | Context
ምሳሌ 15:1 | 4 Helpful votes

ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል።

Translation | Context
ያእቆብ 5:16 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:14-15 | 3 Helpful votes

ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኹም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:31 | 3 Helpful votes

ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ካባካትኩም ይርሐቕ።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:21-35 | 3 Helpful votes

ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ፡ ጐይታይ፡ ሓወይ እንተ በደለንስ፡ ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ በሎ። የሱስ በሎ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር፡ ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን። ስለዚ መንግስተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኺጸባጸብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል። ኪጸባጸብ ምስ ጀመረ፡ እልፊ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ናብኡ ኣቕረቡ። ዚፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና፡ እቲ ጐይታኡ፡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዅሉን ኪሸይጥ እሞ እቲ ዕዳ ኺፍደ ኣዘዘ። ሽዑ እቲ ባርያ ተደፊኡ፡ ጐይታይ፡ ተዐገሰኒ፡ ኵሉ ኸኣ ክፈድየካ እየ፡ ኢሉ ሰገደሉ። ጐይታኡ ድማ ነቲ ባርያ መሐሮን ፈትሖን፡ ዕዳኡ ውን ሐደገሉ። እቲ ባርያ ምስ ወጸ ግና፡ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ባርያ ረኸበ። ሒዙ ኸኣ፡ ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ፡ ኢሉ ሐነቖ። ሽዑ እቲ ብጻዩ ባርያ፡ ተዐገሰኒ፡ ኵሉ ኽፈድየካ እየ፡ ኢሉ ተደፊኡ ለመኖ። ንሱ ግና አበዮ፡ ከይዱ ድማ፡ ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈዲ፡ ኣእሰሮ። እቶም ብጾቱ ባሮት ዝገበሮ ርእዮም ብዙሕ ጐሀዩ። ከይዶም ከኣ፡ ዝዀነ ዅሉ ንጐይታኦም ነገርዎ። ሽዑ ጐይታኡ ጸዊዑ፡ ኣታ ኽፉእ ባርያ፡ ኣነ ኽንዲ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሐደግኩልካ። ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሐርኩኻዶ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን፧ በሎ። ጐይታኡ ዀርዩ፡ ኵሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲ፡ ንዜጽብቡሉ ኣሕሊፉ ሀቦ። ነፍሲ ወከፍኩም ነን ሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 23:34 | 2 Helpful votes

የሱስ ድማ፥ ኣቦይ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም፡ በለ። ንኽዳውንቱ ኸኣ ዕጭ ኣውዲቖም ተማቐልዎ።

Translation | Context
ምሳሌ 15:18 | 2 Helpful votes

ኰራዪ ሰብ ቈየቛ የልዕል፡ ዓቃል ግና ባእሲ የህድእ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:12 | 2 Helpful votes

ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና።

Translation | Context
ፊልጲ 4:8 | 2 Helpful votes

ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:15-20 | 2 Helpful votes

ሓውካ እንተ በደለካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንሓውካ ረባሕካዮ። እንተ ዘይሰምዓካ ግና፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕ፡ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ፡ ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰሞኣ ግና፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ። ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 2 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 7:14 | 2 Helpful votes

እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።

Translation | Context