Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

forgiveness of sins


1ይ ዮሃንስ 1:9 | 10 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 3:23-26 | 5 Helpful votes

ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም። በቲ ብየሱስ ክርስቶስ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ። ንእኡ ኸኣ፡ ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሐደጎ፡ ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ፡ ብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ። ንሱ ጻድቕ ኪኸውን፡ ካብ እምነት የሱስ ንዝበለውን ኬጽድቕ፡ ሕጂ ኣብዚ ዘመን እዚ ጽድቁ ኺገልጽ እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 10:43 | 5 Helpful votes

ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚረኽብ፡ ኲሎም ነብያት ይምስክሩሉ አለዉ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:25 | 4 Helpful votes

ኣነ፡ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ ገበንካ ዝድምስስ፡ መሊሰ ኸኣ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:8-10 | 3 Helpful votes

ሓጢኣት የብልናን፡ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ አሎና፡ እታ ሓቂውን ኣባና የላን። ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ። ሓጢኣት ኣይገበርናን፡ እንተ በልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉውን ኣባና የሎን።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:38 | 3 Helpful votes

ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም።

Translation | Context
ሮሜ 10:9 | 3 Helpful votes

እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8-9 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 7:14 | 2 Helpful votes

እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።

Translation | Context
ሮሜ 6:23 | 2 Helpful votes

ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 10:13 | 2 Helpful votes

ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 22:16 | 2 Helpful votes

ሕጂኸ ንምንታይ እትድንጒ፡ ተንሲእካ ተጠመቕ፡ ስም ጐይታ ጸዊዕካ ኻብ ሓጢኣትካ ተሐጸብ፡ በለኒ።

Translation | Context
ሉቃስ 13:3 | 2 Helpful votes

ኣይፋሎም፡ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኵላትኩም ድማ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context