Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

fools


ምሳሌ 18:2 | 9 Helpful votes

ዓሻ ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ኺገልጾ እምበር፡ ምስትውዓል ኣይፈቱን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 29:11 | 6 Helpful votes

ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን።

Translation | Context
ምሳሌ 1:7 | 6 Helpful votes

ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ።

Translation | Context
መክብብ 7:9 | 4 Helpful votes

ኩራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ እሞ፡ ብመንፈስካ ንኹራ ኣይትተሀወኽ።

Translation | Context
ምሳሌ 10:14 | 4 Helpful votes

ጠቢባንሲ ፍልጠይ ይእርንቡ፡ ኣፍ ዓሻ ግና ናብ ጥፍኣት ቀረባ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 29:9 | 3 Helpful votes

ጠቢብ ምስ ዓሻ እንተ ተማጐተ፡ ወይ ይዅሪ ወይ ከኣ ይስሕቕ፡ ዕረፍቲ የብሉን።

Translation | Context
መዝሙር 14:1-4 | 3 Helpful votes

ዓሻስ ብልቡ፣ ኣምላኽ የልቦን፣ ይብል። ብልሽዋት እዮም፣ ፍንፉን ግብሪ ገበሩ፣ ሓደ እኳ ሰናይ ዚገብር የልቦን። ንእግዚኣብሄር ዚደሊ ለባም እንተሎ ኺርኢ ኢሉስ፣ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ጠመተ። ኵላቶም ዘምቢሎም፣ ብዘለዉ ዅላቶም ረኺሶም፣ ገለ ሰናይ ዚገብር የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን። እዞም ንህዝበይ ከም እንጌራ ዚውሕጥዎ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ዘይጠርዑ ገበርቲ እከይ ኵላቶምሲ፣ ፍልጠትዶ የብሎምን እዮም፧

Translation | Context
ምሳሌ 15:7 | 2 Helpful votes

ከናፍር ጠቢባን ፍልጠት ይዝርግሓ፡ ልቢ እቶም ዓያሱ ግና ኣይከምኡን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 18:7 | 2 Helpful votes

ኣፍ ዓሻ ንእኡ ጥፍኣቱ እዩ፡ ከናፍሩ ኸኣ ወጽመድ ነፍሱ እየን።

Translation | Context
ምሳሌ 14:7-9 | 2 Helpful votes

ካብ ዓሻ ርሐቕ፡ ኣብኡ ኸናፍር ፍልጠት ኣይትርረክብን ኢኻ። ጥበብ እቲ ለባምሲ መገዱ ምፍላጥ እዩ፡ ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ጥበራ እዩ። እቶም ዓያሱ ብሓጢኣት ይዋዘዩ፡ ኣብ ማእከል እቶም ቅኑዓት ግና ጽቡቕ ፍቓድ አሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:26 | 2 Helpful votes

ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዅሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል።

Translation | Context
ቲቶስ 3:3 | 2 Helpful votes

ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና።

Translation | Context
ምሳሌ 26:3-12 | 2 Helpful votes

ሓለንጊ ንፈረስ፡ ልጓም ንኣድጊ፡ በትሪ ንዝባን ዓሻ እዩ። ንስኻ ድማ ንእኡ ኸይትመስልሲ፡ ንዓሻ ኸም ዕሽነቱ ኣይትምለሰሉ። ዓሻ፡ ጠቢብ ከም ዝዀነ ኸይመስሎስ፡ ከም ዕሽነቱ ምለሰሉ። እቲ ብኢድ ዓሻ መልእኽቲ ዚሰድድ ባዕሉ ኣእጋሩ ይቘርጽ እሞ መከራ ይሰቲ። ኣእጋር መጻጕዕ ጠልጠል ይብላ፡ ምስላ ኸኣ ኣብ ኣፍ ዓያሱ ኸምኡ እዩ። ንዓሻ ኽብረት ምሃብሲ፡ ከምቲ ኸረጺት ዕንቊ ናብ ኲምራ እምኒ ምድርባይ እዩ። ምስላ ኣብ ኢድ ዓያሱ ኸም እሾኵ ኣብ ኢድ ሰካር እዩ። እቲ ምስ ዓሻን ምስ ሓላፍ መገድን ዚውዓዓል፡ ከምቲ ንዚረኸበ ዚወግእ ወርዋር ፍላጻ እዩ። ከልቢ ናብ ትፋኡ ኸም ዚምለስ፡ ዓሻ ኸምኡ ንዕሽነቱ ይደጋግሞ። ኣነ ጥበበኛ እየ፡ ዚብል ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፡ ካብ ብኡኡስ ብዓሻ ተስፋ ምግባር ይበልጽ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:22 | 2 Helpful votes

ኣነ ግና፡ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ።

Translation | Context