Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

following jesus


1ይ ቈረንቶስ 11:1-2 | 15 Helpful votes

ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ። ሕጂ ድማ ብዂሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዝመሃርኩኹም ጌርኩም፡ ነቲ ምህሮ ስለ ዝሐዝኩምዎን እንእደኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:21 | 10 Helpful votes

ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።

Translation | Context
ማቴዎስ 16:24 | 9 Helpful votes

ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ፡ ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:21-23 | 5 Helpful votes

ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:3-4 | 5 Helpful votes

ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሐሎና፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥ። ኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:12 | 5 Helpful votes

ሽዑ የሱስ፡ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም።

Translation | Context
ማርቆስ 8:34 | 4 Helpful votes

ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ድማ በሎም፡ ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደሊ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዓበኒ።

Translation | Context
ሉቃስ 9:23 | 4 Helpful votes

ንዅሎም ከኣ፥ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዓበኒ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 1:14-16 | 3 Helpful votes

ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ከሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።

Translation | Context
ዮሃንስ 10:27 | 3 Helpful votes

እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጼይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ።

Translation | Context
ማቴዎስ 4:19-25 | 3 Helpful votes

የሱስውን፡ ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒ፡ በሎም። ብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዐብዎ። ካብኡ ሐሊፉ ኽልተ ኻልኦት ኣሕዋት፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓውን ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦም፡ መርበቦም ኣብ ጃልባ ኼዕርዩ ረአየ እሞ ጸውዖም። ንሳቶም ከኣ ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ሐዲጎም፡ ብኡብኡ ሰዐብዎ። የሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ። ወሪኡውን ኣብ ኵላ ሶርያ ወጸ። ንዅሎም ሕሙማት ከኣ፡ በብዓይነቱ ሕማም ዘለዎምን ቃንዛን ኣጋንንቲ ዘለዎምን ሕማም ባርያ በብወርሒ ዚለዐሎምን መጻጉዓትን ናብኡ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ዓድን ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከኣ ብዙሓት ሰብ ሰዐብዎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 11:1 | 2 Helpful votes

ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:16-17 | 2 Helpful votes

ኣነ ሐሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም። ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም አሎኹ።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:14 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:22 | 2 Helpful votes

ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና፡ ንሱ ኺድሕን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:5-8 | 2 Helpful votes

እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ። ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ። ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም። ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:26 | 2 Helpful votes

እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።

Translation | Context
ፊልጲ 2:12-13 | 2 Helpful votes

ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ እምበር፡ ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከምቲ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም፡ ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ።

Translation | Context
ያእቆብ 2:20-24 | 2 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣታ ኸንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብሩ ኣይጸደቐን፧ እምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ አሎኻ። እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ አመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽውን ተባህለ። ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ትርእዩ አሎኹም።

Translation | Context