Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

flowers


ኢሳይያስ 40:8 | 33 Helpful votes

ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:28-29 | 11 Helpful votes

ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፧ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም አለኹ።

Translation | Context
መሃልየ መሃልይ 2:1 | 11 Helpful votes

ኣነ ጽጌረዳ ሳሮን፡ ናይ ለሰ ዕምባባ ሹወን እየ።

Translation | Context
ዮሃንስ 12:12-13 | 8 Helpful votes

ንጽብሒቱ እቲ ንበዓል ዝመጸ ብዙሕ ህዝቢ፡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ከም ዚመጽእ ሰሚዑ፡ ጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ኪቕበልዎ ወጹ። እናጨደሩ ኸኣ፡ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ፡ በሉ።

Translation | Context
መዝሙር 103:15-16 | 7 Helpful votes

ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፣ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ። ንፋስ ኣብ ልዕሊኣ ይሐልፍ እሞ፣ ከቶ ኣይትርከብን እያ፣ ቦታኣውን ኣይፈልጣን እዩ።

Translation | Context
መሃልየ መሃልይ 2:2 | 7 Helpful votes

ፈታዊተይሲ ኣብ ማእከል ኣዋልድ ከም ኣብ ማእከል እሾዂ ዝበቘለት ዕምባባ ሹወን እያ።

Translation | Context
እዮብ 40:21 | 5 Helpful votes

ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣእዋም፡ ኣብ ሰንሰላን ጨፈቃን ተሐቢኡ ለጥ ይብል፡

Translation | Context
መዝሙር 104:24 | 4 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ፣ ንዅሉ ብጥበብ ገበርካዮ፣ ምድሪ ብሃብትኻ መሊኣ አላ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:27 | 3 Helpful votes

ዕምባባታት ከመይ ኢሎም ከም ዚዓብዩ ኣስተብህሉ፥ ኣይጽዕሩን ኣይፈትሉን እዮም። ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብረቱ ኸም ሓደ ካባታቶም ኣይተኸድነን፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 23:2-3 | 3 Helpful votes

ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ።

Translation | Context
መዝሙር 51:7 | 2 Helpful votes

ምእንቲ ኽጸርስ፣ ብስምዕዛ ኣጽርየኒ፣ ካብ በረድ ክጽዕዱ፣ ሕጸበኒ።

Translation | Context