Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

fishers of men


ማቴዎስ 4:19 | 16 Helpful votes

የሱስውን፡ ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒ፡ በሎም።

Translation | Context
ማርቆስ 1:17 | 9 Helpful votes

የሱስ ድማ፡ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዓቡኒ፡ በሎም።

Translation | Context
ማቴዎስ 28:19-20 | 5 Helpful votes

ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

Translation | Context
ማቴዎስ 28:19 | 5 Helpful votes

ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

Translation | Context
ቲቶስ 2:11 | 2 Helpful votes

ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡

Translation | Context
ኢሳይያስ 1:1-31 | 2 Helpful votes

ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዘመን ኡዝያን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን፡ ነገስታት ይሁዳ፡ ብናይ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ራእይ። እግዚኣብሄር ይዛረብ አሎ እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ስምዑ፡ ኣቲ ምድሪ፡ ጽን በሊ፡ ንውሉድ ኣዕቤኽዎምን ኣልዐልክዎምን፡ ንሳቶም ድማ ካባይ ዐለው። ብዕራይ ንዋናኡ፡ ኣድጊ ድማ ንመብልዕ ማል ጐይታኡ ይፈልጦ፡ እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን፡ ህዝበይውን ኣየስተውዕልን እዩ። ሓጥእ ዓሌት፡ በደል እተጻዕነ ህዝቢ፡ ዘርኢ ገበርቲ እከይ፡ ጥፉኣት ውሉድ ወይለኦም። ንእግዚኣብሄር ሓዲጎም፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ንዒቖም፡ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ። ምዕላው እናወሰኽኩም ካብ እትኸዱስ፡ ንምንታይ ደኣ እትውቅዑ፡ ኲሉ እቲ ርእሲ ሕሙም፡ ኲሉ እቲ ልቢ ሕሉል እዩ። ካብ ከብዲ እግሪ ኽሳዕ ርእሲ ገለ ጥዑይ የብሉን። ዘይተጠወቐን ዘይተዘነነን ብቕብኢ ዘይለስለሰን፡ ኣቚሳልን ስምብራትን ሓድሽ መውቃዕትን ጥራይ እዩ። ሃገርኩም ባዲማ፡ ከተማታትኩም ብሓዊ ነዲደን፡ ንግርሁኹም ጓኖት ኣብ ቅድሜኹም ይውሕጥዎ፡ ጓኖት ከም ዘፍረስዋ ኸኣ ባደመት። ጓል ጽዮን ድማ ከም ዳስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ከም ጎጆ ኣብ ግራት ብርጭቕ፡ ከም እተኸበት ከተማ ዀይና ተሪፋ አላ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ገለ ሒደት ትርፊ እንተ ዘይሐድገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና፡ ንጎሞራ ምመሰልና ኔርና። ኣቱም ሓላቑ ሶዶም፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኣታ ህዝቢ ጎሞራ፡ ንሕጊ ኣምላኽና ጽን በሎ። ብዝሒ መስዋእትታትኩም እንታይ ኢለዮ፧ ይብል እግዚኣብሄር፡ ብዚሐርር መስዋእቲ ደዓውልን ብስብሒ ስቡሓትን ጸጊበ አሎኹ፡ ደም ዝራብዓትን ገናሽልን ድቤላታትን ባህ ኣየብለንን እዩ። ኣብ ቅድመይ ክትረኣዩ ምስ እትመጹ፡ መን ኰታ ኣጸደይ ክትረግጹ ደለየኩም፧ ከንቱ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተምጽኡ፡ ዕጣን ንኣይ ፍንፋን እዩ፡ ስርቂ ወርሕን ሰንበትን፡ ኣኼባ ማሕበር፡ ንኣበሳ ምስ ኣኼባ በዓል ኣይዕገሶን እየ። ንስርቂ ኣዋርሕኩምን በዓላትኩምን ነፍሰይ ትጸልኦ አላ፡ ጾር ኰይኑኒ፡ ምስካሙ ስኢነ አሎኹ። ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ፡ ኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለን፡ ምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩም፡ ኣይሰምዕን እየ፡ ኣእዳውኩም ደም መሊኤን እየን። ተሐጸቡ፡ ንጽሁ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉ። ምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ። ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ኪጽዕዱ፡ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ። ሕራይ እንተ በልኩምን እንተ ተአዘዝኩምንሲ፡ ጣዕሚ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም። ግናኸ እንተ ኣቤኹምን እንተ ዐሎኹምን፡ ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪባ እያ እሞ፡ ብሰይፊ ኽትወሐጡ ኢኹም። እታ እምንቲ ኸተማ ኸመይ ኢላ ኣመንዝራ ዀነት። ቅንዕና ዝመልኣ፡ ጽድቂ ዝሐደራ ነበረት፡ ሕጂ ግና ማሕደር ቀተልቲ ነፍሲ ዀነት። ብሩርኪ ርስሓት ኰይኑ፡ ወይንኺ ማይ ተዘሊሉ። መሳፍንትኺ ሽፍታታትን ኣዕሩዂ ጐሓሉትን እዮም። ኲሎም ምቕባል ደርሆ ይፈትው፡ ደድሕሪ ኻሕሳ ይጐይዩ። ንዘኽታም ፍትሒ ኣየውጽኡሉን፡ ነገር መበለት ከኣ ኣባታቶም ኣይበጽሕን እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ናይ እስራኤል ስልጡን፡ ከምዚ ይብል፡ ኲራይ ኣብ ተጻረርተይ ከዝሕል፡ ንጸላእተይ ከኣ ሕነ ኽፈድዮም እየ። ንኢደይ ድማ ኣባኺ ኽመልሳ፡ ንሓርኢ ሓጺንኪ ኸኣ ኣጸቢቐ ኸጸጺ፡ ንዂሉ ቖርቆሮኺውን ክድርብዮ እየ። ንፈራዶኺ ኸምቶም ቀደም ዝነበሩ፡ ንመኸርትኺ ድማ ከምቶም ብመጀመርታ ዝነበሩ ኽመልሶም እየ። ደሓር ከተማ ጽድቂ፡ እምንቲ ኸተማ ኽትስመዪ ኢኺ። ጽዮን ብፍርዲ፡ እቶም ምሉሳታ ኸኣ ብጽድቂ ኺድሕኑ እዮም። ግናኸ ከሓዶን ሓጥኣንን ብሓደ ኺስበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ዝሐደጉውን ጥራስ ኪጠፍኡ እዮም። በቲ ዝፈቶኹምዎ ኣእዋም ክትሐንኩ፡ በቲ ዝመረጽኩምዎ ኣታኽልቲ ኽትሐፍሩ ኢኹም። ቈጽሉ ኸም ዝጸምለወ ኦምን፡ ማይ ከምዜብሉ ኣታኽልትን ክትኰኑ ኢኹም እሞ፡ እቲ ሓያል ከም እተባዘተ ቓንጭ እንጣጢዕ፡ ዕዮኡ ድማ ከም ቊልዒ ኪኸውን እዩ፡ ክልቲኣቶም ብሓደ ኺነዱ እዮም፡ ዜጥፍእ ከኣ ሓደ እኳ የልቦን።

Translation | Context
ገላትያ 2:20 | 2 Helpful votes

ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።

Translation | Context
ሉቃስ 5:10 | 2 Helpful votes

ስምኦን ጴጥሮስ እዚ ምስ ረአየ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝገፈፍዎ ምግፋፍ ዓሳ ኣዝዮ ስለ ዝሰምበደ፡ እቶም ምስኡ ዘለዉ ዅሎምን፡ ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ሰብ ብርኪ ዝነበሩን ድማ ኸምኡ፡ ስምኦን፥ ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ እናበለ ኣብ ብርኪ የሱስ ተደፍኤ። የሱስ ከኣ ንስምኦን፥ ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:5 | 2 Helpful votes

ማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ።

Translation | Context