Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

first fruits


ምሳሌ 3:9-10 | 13 Helpful votes

ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፡ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ። ሽዑ ቘፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእ፡ መጽመቝኻ ኸኣ ብዀልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ እዩ፡

Translation | Context
ነህምያ 10:35 | 7 Helpful votes

በኹራት ፍረ ምድርናን በኹራት ኵሉ ፍረ ናይ ኵሉ ዓይነት ኣግራብናን በብ ዓመት ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከነምጽእ፡

Translation | Context
ህዝቅኤል 44:30 | 7 Helpful votes

በዅሪ ዅሉ ፍርያትኩምን፣ ኵሉ መባእኩም፣ ዝዀነ ይኹን መባእ ዘበለን ንኻህናት ይኹን። ንቤትኩም በረኸት ምእንቲ ኺሐድራስ፣ በዅሪ ሓሪጭኩም ንኻህን ሀቡ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:9 | 6 Helpful votes

ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፡ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 23:10-14 | 5 Helpful votes

በሎም ከኣ፡ ናብታ ኣነ ዝሀበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ዓጺድ ክትዐጽዱ ኸሎኹም ድማ፡ ካብቲ ቐዳማይ ዓጺድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምጽኡ። ምእንቲ ኽትፍተወልኩም ከኣ፡ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዛ፡ እቲ ኻህን በታ ድሕሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ይወዝውዛ። በታ እንዳእቲ እትውዝውዙላ መዓልቲ ድማ ንእግዚኣብሄር ንዚሐርር መስዋእቲ ጐደሎ ዜብሉ ገንሸል ዓመት ሰውኡ። ነታ ምስኡ ዘሎ መስዋቲ ብልዒ ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ብዘይቲ እተቘምጥዔ ድኹም ሓርጭ ንመስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና፡ ንመስዋእቲ መስተ ኸኣ ራብዓይ ኣፍ ሂን ወይኒ ይኹን። ክሳዕ እታ ንኣምላኽኩም መስዋእቲ እተቕርቡላ መዓልቲ፡ እንጌራ ዀነ፡ ጥቡስ ሰዊት ኰነ፡ ዘይጥቡስ ሰዊት ኰነ ኣይትብልዑ። እዚ ኣብ ኲሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም።

Translation | Context
ሮሜ 11:16 | 5 Helpful votes

እቲ ቀዳማዩ ቅዱስ እንተዀነ፡ እቲ ብሑቝ ከኣ ቅዱስ እዩ። እቲ ሱር ቕዱስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ጨነፍሩውን ቅዱስ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:20 | 4 Helpful votes

ሕጂ ግና ክርስቶስ፡ በዂሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንስኤ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 31:5 | 3 Helpful votes

እዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ወጸ ድማ፡ ደቂ እስራኤል ካብ እኽልን ካብ ወይንን ዘይትን መዓርን ካብ ኲሉ እቶም ግራሁን በዂራት ኣብዚሖም ሀቡ፡ ናይ ኲሉ ኣስራትውን ኣብዚሖም ኣእተዉ።

Translation | Context
ዘጸአት 22:29 | 3 Helpful votes

ካብ ምልኣት ሪቕካን ካብ መጽመቝ ወይንኻን ንምቕራብ ኣይትደንጕ። ካብ ኣወዳትካ እቲ በዅሪ ንኣይ ሀበኒ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:18 | 3 Helpful votes

በዅሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ እዩ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደና።

Translation | Context
ሚልክያስ 3:10 | 3 Helpful votes

ኣብ ቤተት ምግቢ ኪኸውንሲ፣ ዕሽር ዘበለ ዅሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ፣ ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፣ በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፣ በዚ ተዐዘቡኒ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

Translation | Context
ዘዳግም 26:2-4 | 2 Helpful votes

ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድርኻ፡ ካብ መጀመርታ እቲ እተእትዎ ኵሉ ፍረ ምድሪ ኣብ ከፈር ጌርካ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ኺድ። ናብቲ በተን መዓልትታት እቲኤን ዘሎ ኻህን አቲካ ኸኣ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣና ኺሀበና፡ ነቦታትና ዝመሐለሎም ምድሪ ኸም ዝአቶኹ፡ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኤፍልጥ አሎኹ፡ ትብሎ። እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኸፈር ካብ ኢድካ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ የንብሮ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 18:12 | 2 Helpful votes

ካብ ዘይቲ ዝበለጸ ዅሉን ካብ ወይንን ካብ ስርናይን ዝበለጸ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ዚህብዎ በዅራት ንኣኻ ሂበካ አሎኹ።

Translation | Context
ነህምያ 10:37 | 2 Helpful votes

ቀዳማይ ብሑቕናን ዚለዐል ሞባእናን ፍረ ዅሉ ዓይነት ኣግራብን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ንኻህናት ናብ ክፍልታት ቤት ኣምላኽና ነምጽእ። ናይ ምድርና ዕሽር ከአ ንሌዋውያን ነምጽእ፡ ንሳቶም፡ እቶም ሌዋውያን፡ ካብ ኵሉ ሕርሻ እተን ከተማታትና ዕሽር ይውሰዱ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:23 | 2 Helpful votes

ግናኸ ነፍሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፡ ክርስቶስ ከም ቦኽሪ፡ ደሓር እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ።

Translation | Context
ኤርምያስ 2:3 | 2 Helpful votes

እስራኤል ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ፡ በዂሪ ቐውዑ ነበረ፡ ዚበልዕዎ ዘበሉ ይዕግቡ፡ ሕሰም ድማ ኪወርዶም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ሮሜ 8:23 | 2 Helpful votes

ንሱ ጥራይ ከኣ ኣይኰነን፡ ንሕና ብዂርነት መንፈስ ዘሎናውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና፡ እናተጸቤና ብውሽጥና ነስቈርቊር አሎና።

Translation | Context
ዘጸአት 34:26 | 2 Helpful votes

መጀመርታ እቲ ቐዳማይ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣእቱ። ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኣ ኣይተብስሎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 4:3-4 | 2 Helpful votes

ድሕሪ ገለ ወርሓት ድማ ዀነ፡ ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣምጽኤ። ኣቤል ከኣ ካብ ብዅራት ኣባጊዑን ካብ ስብሔንን ኣምጽኤ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ባህ ኢልዎ ረአየ።

Translation | Context