Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

fire


እብራውያን 12:29 | 9 Helpful votes

ኣምላኽና ዚባላዕ ሓዊ እዩ፡ ስለዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን።

Translation | Context
ሉቃስ 3:16 | 7 Helpful votes

ዮሃንስ መለሰ ንዅሎም በሎም፡ ኣነስ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘሎኹ፡ እቲ ኻባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕ ግና ይመጽእ አሎ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 104:4 | 7 Helpful votes

ንንፋሳት ልኡኻትካ፣ ንሃልሃልታ ሓዊ አገልገልትኻ ገበርካዮም።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 7:1 | 5 Helpful votes

ሰሎሞን ጸሎቱ ምስ ወድኤ ድማ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን በልዓቶ፡ ነታ ቤትውን ክብሪ እግዚኣብሄር መልኣ።

Translation | Context
ኤርምያስ 23:29 | 4 Helpful votes

ቃለይዶ ኸም ሓውን ከምቲ ንኸውሒ ሓሸምሸም ዜብል ሞደሻን ኣይኰነን፧ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ኤርምያስ 20:9 | 4 Helpful votes

ኣይክዝክሮን፡ ደጊምስ ብስሙ ኣይክዛረብን እየ፡ እኳ እንተ በልኩ፡ ኣብ ዓጻጽምተይ ተዐጽዩ፡ ኣብ ልበይ ከም ዚነድድ ሓዊ ዀነኒ። ክጽመሞ ተጋደልኩ፡ ግናኸ ኣይኰነለይን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 3:11-15 | 4 Helpful votes

ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ። ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂ፡ ብሩር፡ ክቡር እምኒ፡ ዕጨይቲ፡ ሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሔ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሃድ እዩ፡ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ። ሰብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሃንጸ ዕዮ እንተ ጸንዓሉ፡ ዓስቢ ኪቕበል እዩ። እቲ ዕዮኡ እንተ ነደደ ግና፡ ዓስቡ ኺስእን እዩ። ንርእሱ ግና ኪድሕን፡ ግናኸ ከምቲ ሓዊ ሐሊፉ ዝደሐነ እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:49 | 3 Helpful votes

ናብ ምድሪ ሓዊ ኽድርቢ እየ ዝመጻእኩ፡ ሕጅስ ብጀካ ምንዳዱ እንታይ እደሊ ኣሊኹ፧

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:3 | 3 Helpful votes

እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ።

Translation | Context
ዘጸአት 3:2 | 3 Helpful votes

መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ማእከል ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ተራእዮ። እንተ ጠመተ ድማ እንሃ፡ እታ ቘጥቋጥ ብሓዊ ትነድድ ነበረት፡ እታ ቘጥቋጥ ግና ኣይተበልዔትን።

Translation | Context
ኣሞጽ 1:10 | 2 Helpful votes

ኣነ ናብ ቀጽሪ ጢሮስ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ነቲ ኣደራሻታ ኸኣ ሞዅ ኬብሎ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 3:15-17 | 2 Helpful votes

እቲ ዕዮኡ እንተ ነደደ ግና፡ ዓስቡ ኺስእን እዩ። ንርእሱ ግና ኪድሕን፡ ግናኸ ከምቲ ሓዊ ሐሊፉ ዝደሐነ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻኩም ኢኹም።

Translation | Context
ራእይ 21:8 | 2 Helpful votes

እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 1:9-12 | 2 Helpful votes

እቲ ንጉስ ከኣ ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ምስቶም ሓምሳኡ ገይሩ ሰደደሉ። ንሱ ድማ ናብኡ ደየበ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ርእሲ ኸረን ኮፍ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስ፡ ውረድ፡ ይብለካ አሎ፡ በሎ። ኤልያስ ድማ ነቲ ሓለቓ ሓምሳ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፡ ንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከኣ ይብላዕኩም፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን በልዖም። መሊሱ ድማ ካልእ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ገይሩ ሰደደሉ፡ እዚ ኸኣ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስ ቀልጢፍካ ውረድ ይብለካ አሎ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ኤልያስ ድማ፡ ኣነ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፡ ንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከኣ ይብላዕኩም፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን በልዖም።

Translation | Context
ራእይ 20:9 | 2 Helpful votes

ኣብ ልዕሊ እቲ ግፍሒ ምድሪ ኸኣ ወጹ፡ ንሰፈር እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍቅርቲ ኽተማን ድማ ከበቡ። ካብ ሰማይ ከኣ ሓዊ ወሪዱ በልዖም።

Translation | Context
ይሁዳ 1:7 | 2 Helpful votes

ከምኡውን ሶዶምን ጎሞራን እተን ኣብ ከባቢኤን ዝነበራ ኸተማታትን፡ ከማታቶም ብመገዶም ዝመንዘራ ደድሕሪ ስጋ ጓናውን ዝሰዐባ፡ በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመሰክሒ ዀይነን አለዋ።

Translation | Context