Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

feminism


ገላትያ 3:28 | 10 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
ኢሳይያስ 3:11-12 | 5 Helpful votes

ንረሲእሲ እኩይ ኪረኽቦ እዩ፡ ግብሪ ኢዱ ኺፍደ እዩ እሞ፡ ወይለኡ። ገፋዕቲ ህዝበይ ቈልዑ እዮም፡ ኣንስቲ ኸኣ ይገዝእኦ ኣለዋ። ዎ ህዝበይ፡ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ኸኣ የጥፍእዋ ኣለው።

Translation | Context
መሳፍንቲ 4:4 | 5 Helpful votes

ዴቦራ ድማ፡ ነብዪት ሰበይቲ ላጲዶት፡ ንሳ በታ ጊዜ እቲኣ ንእስራኤል ትፈርድ ነበረት።

Translation | Context
መዝሙር 68:11 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ቃሉ ይህብ፣ እተን ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን።

Translation | Context
ሆሴዕ 4:14 | 5 Helpful votes

ንሳቶም ከኣ ምስ ኣመናዘ የግልሱ፣ ምስ ዘመውቲ ኣንስቲውን ይስውኡ አለዉ እሞ፣ ኣዋልድኩም ምስ መንዘራ መራዕኹምውን ምስ ዘመዋ፣ ኣነ ኣይክቐጽዔንን እየ። ኣእምሮ ዜብሉ ህዝብስ ከውድቕ እዩ።

Translation | Context
ሚክያስ 6:4 | 4 Helpful votes

ኣነ ካብ ሃገር ግብጺ ኣውጺኤካ፡ ካብ ቤት ባርናት ኣድሒነካ፡ ንሙሴን ኣሮንን ሚርያምን ከኣ ቀቅድሜኻ ሰዲደዮም እየ እሞ፡

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 7:24 | 4 Helpful votes

ጓሉ ድማ ሸኤራ፡ ንሳ ኸኣ ታሕታይን ላዕላይን ቤት-ሖሮንን ዑዜን-ሸኤራን ሰርሔት።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 11:12 | 4 Helpful votes

ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ፡ ሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
እዮብ 38:28-30 | 3 Helpful votes

ንዝናምዶ ኣቦ ኣልይዎ፧ ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለዶኸ መን እዩ፧ በረድ ካብ ከርሲ መን እዩ ዚወጽእ፧ ንኣስሓይታ ሰማይከ ዝወለዶ መን እዩ፧ ማያት ከም እምኒ ዀይኑ ይስወር፡ ዝባን እቲ ዓሚቚውን ይረግእ።

Translation | Context
ሉቃስ 10:38-42 | 3 Helpful votes

ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ዀነ፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ አተወ። ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶ። ማርያም እትብሀል ሓብቲ ድማ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቃ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት። ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራ፡ በለቶ። የሱስ ድማ፥ ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን አሎኺ። እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ አላ፡ ኢሉ መለሰላ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 66:13 | 3 Helpful votes

ከምቲ ኣደ ንውሉዳ እተጸናንዕ፡ ከምኡ ኸጸናንዓኩም እየ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኽትጸናንዑ ኢኹም።

Translation | Context
ማርቆስ 16:9 | 3 Helpful votes

በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ ምስ ተንስኤ፡ ነታ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዘውጽኣላ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ቅድም ተራእያ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 22:14 | 2 Helpful votes

ሽዑ ኻህን ሒልቂያን ኣሒቃምን ዓክቦርን ሻፋንን ዓሳያን ናብ ነብዪት ሑልዳ፡ ሰበይቲ ሻሎም ሓላው ክዳውንቲ፡ ከዱ፡ ንሱ ወዲ ጢቅዋ ወዲ ሓርሓስ እዩ። ንሳ ድማ ኣብ የሩሳሌምስ ኣብታ ኻልአይቲ ኽፍሊ ትቕመጥ ነበረት። ንእኣ ድማ ተዛረብዋ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 18:26 | 2 Helpful votes

ንሱ ኣብ ቤት ጸሎት ብትብዓት ኪምህር ጀመረ። ጵርስኪላን ኣኪላስን ምስ ሰምዕዎ ኸኣ፡ ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:18 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ፡ በለ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:7 | 2 Helpful votes

ኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ።

Translation | Context
መሳፍንቲ 5:24-27 | 2 Helpful votes

ያዔል፡ ሰበይቲ ሔበር ቄናዊ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን፡ ኣብ ድንኳን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን። ንሱ ማይ ለመነ እሞ ጸባ ሀበቶ፡ ብመሳተያ ኽቡራት ገይራ ርግኦ ኣቕረበትሉ። ኢዳ ናብ ሸኻል፡ የማነይታ ኸኣ ናብ ሞደሻ ዓየይቲ ዘርግሔት፡ ንሲሰራ ድማ ወቕዓቶ፡ ኣብ ርእሱ ሸኸለትሉ፡ መታልሑ ኣንኵላውን ኣሕለፈቶ። ኣብ መንጎ ኣእጋራ ቚልዕጽ ኢሉ ወደቐ፡ በጥ ከኣ በለ፡ እወ፡ ኣብ ምንጎ ኣእጋራ ቚልዕጽ ኢሉ ወደቐ፡ ኣብቲ እተቘልዐጸሉ፡ ኣብኡ ሞይቱ ወደቐ።

Translation | Context