Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

feeding the poor


ማቴዎስ 25:35 | 27 Helpful votes

ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ።

Translation | Context
ምሳሌ 19:17 | 13 Helpful votes

እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሪ ኺፈድዮ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 14:13-21 | 6 Helpful votes

የሱስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ካብኣ ብጃልባ ኣግሊሱ ናብ ጽምዊ በረኻ ኸደ። እቶም እኩባት ህዝቢ ሰሚዖም ከኣ፡ ካብ ከተማታት ብእግሪ ሰዐብዎ። የሱስ ናብ ምድሪ ምስ ወጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረአየ እሞ ደንገጸሎም፡ ሕሙማቶምውን ኣሕወየ። ምስ መሰየ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም፡ እዛ ቦታ እዚኣ በረኻ እያ፡ ምድሪ ኸኣ መስዩ እዩ። እምብኣርሲ እዞም ሰብ ናብ ዓድታት እትዮም፡ ንርእሶም እንጌራ ኺዕድጉ ኣሳናብቶም፡ በልዎ። የሱስ ግና፡ ምኻድ ኣየድልዮምን፡ ኪበልዑ ንስኻትኩም ሀብዎም፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣብዚ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ገለ የብልናን፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ናባይ ኣምጽእዎ፡ በለ። እቶም ሰብውን ኣብ ሳዕሪ ኪቕመጡ ኣዘዘ። ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ሰማይ ገጹ ቝሊሕ በለ፡ ባሪኹ፡ ቈሪሱ ንደቀ መዛሙርቱ ሀቦም። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ሰብ ሀብዎም። ኵሎም በሊዖም ጸገቡ። እቲ ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ዓሰርተው ክልተ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ። እቶም ዝበልዑ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ነበሩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:31 | 5 Helpful votes

እምበርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፡ ኢልኹም ኣይትጨነቑ።

Translation | Context
ሉቃስ 14:12-14 | 4 Helpful votes

ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፥ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ። ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብጹእ ክትከውን፡ ብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ።

Translation | Context
ኣስቴር 9:22 | 4 Helpful votes

እተን ኣይሁድ ካብ ጸላእቶም ዝዐረፉለን መዓልትታት፡ በዛ ወርሒ እዚኣ ጭንቆም ኣብ ሓጐስ፡ ሐዘኖም ድማ ኣብ ጽቡቕ መዓልቲ እተለወጠሉ፡ ነተን መዓልትታት እቲኤን መዓልትታት መስተን ሓጐስን ኪገብርወን፡ ንሓድሕዶም ከአ ህያባት ኪላኣአኹ፡ ንድኻታት ድማ ምጽዋት ኪምጽውቱ ሐገገሎም።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:42 | 3 Helpful votes

ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዜስቲ፡ ዓስቡ ከቶ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:2 | 3 Helpful votes

ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:44-45 | 3 Helpful votes

እቶም ዝአመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኲሉውን ብርኪ ነበረ። መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ፡ ንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ።

Translation | Context
መዝሙር 146:7 | 3 Helpful votes

ንጥቑዓት ፍትሒ ዜውጽኣሎም፣ ንጥሙያት እንጌራ ዚህቦም ንሱ እዩ፣ እግዚኣብሄር ንእሱራት ይፈትሖም።

Translation | Context
መዝሙር 82:3-4 | 3 Helpful votes

ንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎም፡ ንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ አውጽኡሎም። ንድኻን መስኪንን ኣናግፍዎም፣ ካብ አእዳው ረሲኣን ኣድሕንዎም።

Translation | Context