Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

favoritism


ያእቆብ 2:9 | 20 Helpful votes

እንተ ኣድሎኹም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ አሎኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 10:34 | 12 Helpful votes

ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ።

Translation | Context
ሮሜ 2:11 | 12 Helpful votes

ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን።

Translation | Context
ያእቆብ 2:1-26 | 10 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ። ኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂ፡ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ እንተ አተወ፡ ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ አተወ፡ እሞ ነቲ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ እንተ ርኤኹም፡ ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ ንስኻስ ኣብቲ ደው በል፡ ወይስ ኣብዚ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነን፡ ብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧ ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ስምዑ፡ ብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ነዐቕኩምዎ። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኰኑን ዚሕይሉኹምን ናብ መጋባእያ ዚስሕቡኹምን፧ ንሳቶምዶ ኣይኰኑንከ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ኽቡር ስም ዚጸርፉ ዘለዉ፧ ሕጂ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ጌርካ ኣፍቅሮ፡ ዚብል፡ ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ ብሓቂ እንተ ፈጸምኩምዎ፡ ሰናይ ትገብሩ አሎኹም። እንተ ኣድሎኹም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ አሎኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ። ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሐልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዚኸውን። እቲ፡ ኣይትዘሙ፡ ዝበለ፡ ኣይትቕተል፡ ድማ በለ። ስለዚ እንተ ዘይዘሞኻ እኳ፡ ካብ እትቐትልሲ መፍረስ ሕጊ ኢኻ። ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዚፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ ኸምኡውን ግበሩ። ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡ እምነት ኣላትኒ፡ እንተ በለ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰአኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቅም፧ ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ። ግናኸ ሓደ ሰብ ግዳ፡ ንስኻ እምነት ኣላትካ፡ ኣነ ኸኣ ግብሪ አሎኒ፡ ይብል ይኸውን። እምብኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ። ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትአምን አሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም። ግናኸ፡ ኣታ ኸንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብሩ ኣይጸደቐን፧ እምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ አሎኻ። እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ አመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽውን ተባህለ። ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ትርእዩ አሎኹም። ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፡ ብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶም፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧ እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።

Translation | Context
ያእቆብ 2:1 | 9 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 37:4 | 8 Helpful votes

እቶም ኣሕዋቱ፡ ኣቦኦም ሓለፋ ዅላቶም ኣሕዋቱ ኸም ዝፈተዎ ርእዮም፡ ጸልእዎ፡ ብሰላም ኪዛረብዎ ድማ ኣይከኣሉን።

Translation | Context
ገላትያ 3:28 | 7 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
ዘዳግም 10:17 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ጐይታ ጐይተት፡ እቲ ዓብዪ፡ እቲ ሓያል፡ እቲ ዜፍርህ ኣምላኽ፡ ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ፡ መማለዲ ኸኣ ዘይቅበል እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:9 | 3 Helpful votes

ኣቱም ጐይተትውን፡ ከምኡ ግበሩሎም፡ እቲ ጐይታኦምን ጐይታኹምን ኣብ ሰማይ ምህላዉ እሞ ኣብኡ ኣድልዎ ገጽ ከም ዜልቦ ፈሊጥኩም፡ ምፍርራህ ሕደጉ።

Translation | Context
ያእቆብ 2:5 | 3 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ስምዑ፡ ብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፧

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 19:4-7 | 2 Helpful votes

ዮሳፋጥ ድማ ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ፡ መሊሱ ኸኣ ካብ ብኤር-ሸባዕ ሒዙ ኽሳዕ ከረን ኤፍሬም ናብ መንጎ ህዝቢ ወጸ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ከኣ መለሶም። ኣብታ ሃገር ድማ፡ ኣብ ኩለን እተዐርዳ ኸተማታት ይሁዳ፡ ኣብ ከተማ ፈረድቲ ኣቐመጠ። ነቶም ፈረድቲውን በሎም፡ ነቲ እትገብርዎ ዘበለ ጠምቱ፡ ናይ እግዚኣብሄር እምበር፡ ናይ ሰብ ኣይኰነን እትፈርዱ ዘሎኹም እሞ፡ ንሱ ኸኣ በቲ ናይ ፍርዲ ነገር ምሳኻትኩም እዩ። እምበኣርስኸ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀሉኹም፡ ተጠንቂቕኩም ግበርዎ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ዓመጻን ኣድልዎ ገጽን ምቕባል መማለጃን የልቦን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 29:31 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከኣ ልያ ኸም እተጸልኤት ርእዩ፡ ማሕጸና ኸፈተላ። ራሄል ግና መኻን ነበረት።

Translation | Context