Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

favor


መዝሙር 5:12 | 7 Helpful votes

ንጻድቕ ትባርኾ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸቦ።

Translation | Context
መዝሙር 90:17 | 7 Helpful votes

ጸጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ይኹን፣ ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና፣ እወ፣ ንተግባር ኣእዳውና ንስኻ ኣስልጦ።

Translation | Context
መዝሙር 84:11 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ጸሓይን ዋልታን እዩ እሞ፣ እግዚኣብሄር ጸጋን ክብርን ይህብ፣ ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ሰናይ ዘበለ ኣይኸልኦምን እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 1:11 | 3 Helpful votes

ንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ክብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳብ ዚገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ።

Translation | Context
መዝሙር 30:5 | 3 Helpful votes

ኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፣ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፣ ምሸት ብኽያት ይሐድር፣ ንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 6:8 | 3 Helpful votes

ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:1-4 | 3 Helpful votes

ወደየ፡ ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውሰኸልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፡ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን። ሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።

Translation | Context
ኣስቴር 2:15-18 | 3 Helpful votes

ንኣስቴር ጓል ኣቢሓይል፡ ሓወቦ ማርዶካይ፡ ከም ጓሉ ዝሐዛ፡ ናብ ንጉስ ክትአቱ ታራኣ ምስ በጽሔ፡ ብጀካ ሄጋይ፡ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላው ኣንስቲ፡ ዝበላ ኻልእ ኣይደለየትን። ኣስቴር ከአ ኣብ ዓይኒ እቶም ዝረአይዋ ኵላቶም ተፈትወት። ንኣስቴር ድማ ብዓስረይቲ ወርሒ፡ ንሳ ኸኣ ወርሒ ጤቤት፡ ብሳብዐይቲ ዓመት መንግስቱ ኣብ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ናብ ቤት ንጉስ ወሰድዋ። ንጉስ ድማ ንኣስቴር ካብ ኩለን እተን ኣንስቲ ኣብሊጹ ፈተዋ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኸኣ ሐለፋ ኹለን እተን ደናግል ሞገስን ፍቕርን ረኸበት። ኣብ ርእሳውን ዘውዲ መንግስቲ ደፍኣላ። ኣብ ክንዲ ዋሽቲ ድማ ኣንገሳ። ሽዑ እቲ ንጉስ ንሹማምቱን ንገላውኡን ዓብዩ ምሳሕ ገበረሎም። እቲ ምሳሕ እቲ ኸኣ ስለ ኣስቴር ነበረ እሞ፡ ንሰብ እታ ሃገር ኣዕረፎም፡ ከም ልግስነት ንጉስ ከአ ህያባት ሀበ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:31-33 | 2 Helpful votes

እምበርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፡ ኢልኹም ኣይትጨነቑ። ነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 58:11 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንዂሉ ጊዜ ኺመርሓካ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንነፍስኻ ኼጽግባ፡ ነዕጽምትኻ ድማ ኬበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ክትከውን ኢኻ።

Translation | Context
መዝሙር 102:13 | 2 Helpful votes

ጊዜ ምሕረታ እዩ፣ እቲ ምዱብ ጊዜ በጺሑ፣ ባሮትካ ነእማና ኣፍቂሮም፣ ብሓመዳ ኸኣ ጕህዮም እዮም እሞ፣ ክትትንስእ ንጽዮንውን ክትርሕርሓላ ኢኻ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 18:3 | 2 Helpful votes

በለ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ምገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ በጃኻ፡ ንባርያኻ ኣይትሕለፈኒ።

Translation | Context
ሉቃስ 2:52 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8-9 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 39:4 | 2 Helpful votes

ዮሴፍ ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ረኸበ፡ የገልግሎውን ነበረ። ኣዛዝ ቤቱ ገበሮ፡ ዘለዎ ዅሉ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሀቦ።

Translation | Context
ምሳሌ 18:22 | 2 Helpful votes

እቲ ሰበይቲ ዚረክብ ሰናይ ይረክብ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ሞገስ ይቕበል።

Translation | Context
ምሳሌ 3:3-4 | 2 Helpful votes

ሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:33-35 | 2 Helpful votes

መርገም እግዚኣብሄር ኣብ ቤት ረሲእ እዩ፡ ንማሕደር ጻድቃን ግና ይባርኾ። ንሱ ንመላገጽቲ የላግጸሎም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። ጠቢባን ክብሪ ኺወርሱ እዮም፡ ዓያሱ ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ።

Translation | Context