Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

fasting and prayer


ማቴዎስ 6:16-18 | 9 Helpful votes

ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካ ውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 14:23 | 5 Helpful votes

ኣብ መማሕበሩ ሽማግሌታት ምስ ሐረዩሎም ድማ፡ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ብእኡ ዝአመኑ ጐይታ ኣማዕቈብዎም።

Translation | Context
ዮኤል 2:12 | 4 Helpful votes

እምብኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፣ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ማርቆስ 9:29 | 4 Helpful votes

ንሱውን፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎትን ብጾምን ኪወጽእ ኣይከኣልን እዩ፡ በሎም።

Translation | Context
ዮኤል 1:14 | 4 Helpful votes

ጾም ቀድሱ፣ ኣኼባ ጸውዑ፣ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅላቶምን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፣ ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 13:3 | 3 Helpful votes

ሽዑ ጾሙን ጸለዩን ኣእዳዎም ከኣ ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም።

Translation | Context
ኣስቴር 4:16 | 3 Helpful votes

ኪድ እሞ፡ ኣብ ሱሳን እተረኸቡ ኹሎም ኣይሁድ ኣኪብካ ኽሳዕ ሰለስተ መዓልቲ፡ ለይትን መዓልትን ከይበልካዕኩም ከይሰቴኹም ንኣይ ጹመለይ፡ ኣነ ድማ ምስ ኣግራደይ ከምኡ ኽጸውም እየ። ሽዑ፡ ከም ሕጊ እኳ ዘይኮነ ኽነሱ፡ ናብ ንጉስ ክአቱ እየ፡ እንተ ጠፋእኩ እጥፋእ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 13:2 | 3 Helpful votes

እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ኬገልግሉን ኪጸሙን ከለዉ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ በርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ፡ በሎም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 58:1-14 | 3 Helpful votes

ኣፍካ መሊእካ ጨድር፡ ኣይተቛርጽ፡ ድምጽኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል፡ ንህዝበይ ኣበሳኦም፡ ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም። ኣብ ጸጽባሕ ይደልዩኒ፡ መገድታተይ ኪፈልጢ ድማ ይፈትው። ከምቲ ጽድቂ ዚገብርን፡ ሕጊ ኣምላኹ ዘይሐደገን ህዝብስ፡ ሕጊ ጽድቂ ኻባይ ይደልዩ፡ ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡውን ይፈትው። ስለምንታይ ደኣ ጾምና፡ ንስኻ ድማ ዘይርኤኻን፧ ስለምንታይከ ነፍስና ኣሕሳእና፡ ንስኻውን ግዱ ዘይገበርካ፧ እንሆ፡ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ፡ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም አሎኹም። እንሆ፡ ብባእስን ብምክርኻርን ብሕሱም ምውቃዕ ጒስጢትን ኢኹም እትጾሙ። ድምጽኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዚስማዕ ጌርኩም ሎሚ ኣይትጾሙን ኢኹም ዘሎኹም። እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምን፡ እታ ሰብ ንነፍሱ ዜሕስኣላ መዓልትን ከምዚ ዘመሰለ ድዩ፧ ከም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን፡ ክሻን ሓመዂስትን መንጸፍካ ምግባርን፡ ነዚ ዲኻ ጾምን እግዚኣብሄር ዚቕበሎ መዓልትን እትብሎ ዘሎኻ፧ እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን፧ እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ስጋካውን ከይትሕባእዶ ኣይኰነን፧ ሽዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ዀይኑ ኺወጽእ፡ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቊል፡ ጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽትጽውዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኪመልሰልካ፡ ከተእዊ፡ ንሱ ድማ፡ እኔኹ፡ ኪብል እዩ። ነርዑት፡ ንምውጥዋጥ ኣጻብዕ፡ ንሕማቕ ዘረባ ኸኣ ካብ ማእከልካ እንተ ኣርሐቕካ፡ ካብ ናብ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካ፡ ንጭንቕቲ ነፍሲ እንት ኣጽገብካ፡ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ኪወጽእ፡ ጸልማትካውን ከም ቀትሪ ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ንዂሉ ጊዜ ኺመርሓካ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንነፍስኻ ኼጽግባ፡ ነዕጽምትኻ ድማ ኬበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ክትከውን ኢኻ። ደቅኻ ነቲ ቐደም ዝዐነወ ኺነድቁ እዮም፡ ንመሰረት ብዙሓት ወለዶ ኸተቕውም ኢኻ። ነዳቕ ፍሩስን፡ መሳፍሮ ዚኸውን መገዲ መዓረይን ተብሂልካ ኽትስመ ኢኻ። ብሰንበት፡ በታ ቅድስቲ መዓልተይ ከም ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብር፡ እግርኻ እንተ ዘሐጥካ፡ ንሰንበት ከኣ ደስታ፡ ነታ ቅድስቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ድማ ክብርቲ ኢልካ እንተ ሰሜኻያ፡ እንተ ኣኽበርካየ፡ መገዲ ርእስኻ ድማ እንተ ዘይከድካ፡ ፍቓድ ርእስኻ እንተ ዘይገበርካ፡ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛረብካ፡ ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ኪብለካ እዩ፡ ኣነ ድማ ናብቲ በረኽቲ ምድሪ ኸደይበካ፡ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብውን ከብልዓካ እየ።

Translation | Context
እዝራ 8:21-23 | 3 Helpful votes

ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርስትና ኸነዋርድ፡ ንኣናን ንሕጻናትናን ንዅሉ ጥሪትናን ቅንዕቲ መገዲ ኻብኡ ኽንልምን ኢለ፡ ኣብ ርባ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩ። ንንጉስ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንዚደልይዎ ዅላቶም ንጽቡቕ፡ ስልጣኑን ኩራኡን ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዚሓድግዎ ዅላቶም ከም ዝዀነት ኢልናዮ ነበርና እሞ፡ ስለዚ ኣብ መገዲ ኻብ ጸላእቲ ኼድሕኑና፡ ጭፍራን ፈረሰኛታትን ምልማን ሐንኽኩ። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ጾምናን ኣብ ኣምላኽና ጸሌናን፡ ንሱ ድማ ሰምዓና።

Translation | Context
ኢሳይያስ 58:6 | 3 Helpful votes

እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን፧

Translation | Context
ሉቃስ 2:37 | 2 Helpful votes

ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት እያ። - ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት፡ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት።

Translation | Context
ማቴዎስ 9:14-15 | 2 Helpful votes

ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ፡ ስለምንታይ ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ኣይጸሙን፧ ኢሎም ናብኡ መጹ። የሱስ ከኣ በሎም፡ ነዕሩኽ መርዓዊኸ፡ መርዓዊ ምሳታቶም ኽሳዕ ዘሎ፡ ከመይ ኢሎም ኪጕህዩ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ግና ክትመጽእ እያ፡ ሽዑ ኸኣ ይጾሙ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:5 | 2 Helpful votes

ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:6 | 2 Helpful votes

ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:18 | 2 Helpful votes

ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካ ውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 4:4 | 2 Helpful votes

የሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ።

Translation | Context
ማቴዎስ 17:20-22 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጎደለት። ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ፡ ትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ፡ ዚሰኣነኩም ውን የልቦን። እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወጽእን እዩ፡ በሎም። ኣብ ገሊላ ኺመላለሱ ኸለዉ፡ የሱስ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪትሐዝ አለዎ።

Translation | Context
ነህምያ 1:4 | 2 Helpful votes

ኮነ ድማ፡ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ሓያሎ መዓልቲ ሐዚነ እነበኼኹ ተቐመጥኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጽውምን እጽልን ነበርኩ።

Translation | Context
እዝራ 8:23 | 2 Helpful votes

ብዛዕባ እዚ ኸኣ ጾምናን ኣብ ኣምላኽና ጸሌናን፡ ንሱ ድማ ሰምዓና።

Translation | Context