Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

fasting


ማቴዎስ 6:16-18 | 12 Helpful votes

ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካ ውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 58:3-7 | 7 Helpful votes

ስለምንታይ ደኣ ጾምና፡ ንስኻ ድማ ዘይርኤኻን፧ ስለምንታይከ ነፍስና ኣሕሳእና፡ ንስኻውን ግዱ ዘይገበርካ፧ እንሆ፡ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ፡ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም አሎኹም። እንሆ፡ ብባእስን ብምክርኻርን ብሕሱም ምውቃዕ ጒስጢትን ኢኹም እትጾሙ። ድምጽኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዚስማዕ ጌርኩም ሎሚ ኣይትጾሙን ኢኹም ዘሎኹም። እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምን፡ እታ ሰብ ንነፍሱ ዜሕስኣላ መዓልትን ከምዚ ዘመሰለ ድዩ፧ ከም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን፡ ክሻን ሓመዂስትን መንጸፍካ ምግባርን፡ ነዚ ዲኻ ጾምን እግዚኣብሄር ዚቕበሎ መዓልትን እትብሎ ዘሎኻ፧ እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን፧ እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ስጋካውን ከይትሕባእዶ ኣይኰነን፧

Translation | Context
ዮኤል 2:12 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፣ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
መዝሙር 69:10 | 4 Helpful votes

እናበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፣ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:18 | 4 Helpful votes

ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካ ውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።

Translation | Context
ዳንኤል 10:3 | 4 Helpful votes

እተን ሰለሰተ ሰሙን ክሳዕ ዞፍጸማ፣ ጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩን፣ ስጋን ወይንን ናብ ኣፈይ ኣየእቶኹም፣ ዘይቲውን ኣይተለኼኹን።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 14:23 | 3 Helpful votes

ኣብ መማሕበሩ ሽማግሌታት ምስ ሐረዩሎም ድማ፡ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ብእኡ ዝአመኑ ጐይታ ኣማዕቈብዎም።

Translation | Context
ማቴዎስ 4:4 | 3 Helpful votes

የሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ።

Translation | Context
ሉቃስ 4:2 | 3 Helpful votes

ብድያብሎስ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ተፈተነ። በተን መዓልትታት እቲኣተን ገለ እኳ ኣይበልዔን። ንሳተን ምስ ተወድኣ፡ ጠመየ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:5 | 3 Helpful votes

ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ።

Translation | Context
ሉቃስ 18:12 | 2 Helpful votes

እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ።

Translation | Context
መዝሙር 35:13 | 2 Helpful votes

ኣነስ፣ እንተ ሐመሙ፣ ከሊ ተኸደንኩ፣ ንነፍሰይ ብጾም ቀጻዕክዋ፣ ርእሰይ ኣድኒነ ጸሌኹ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 58:6 | 2 Helpful votes

እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን፧

Translation | Context
እዝራ 8:23 | 2 Helpful votes

ብዛዕባ እዚ ኸኣ ጾምናን ኣብ ኣምላኽና ጸሌናን፡ ንሱ ድማ ሰምዓና።

Translation | Context
ነህምያ 1:4 | 2 Helpful votes

ኮነ ድማ፡ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ሓያሎ መዓልቲ ሐዚነ እነበኼኹ ተቐመጥኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጽውምን እጽልን ነበርኩ።

Translation | Context
እዝራ 8:21-23 | 2 Helpful votes

ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርስትና ኸነዋርድ፡ ንኣናን ንሕጻናትናን ንዅሉ ጥሪትናን ቅንዕቲ መገዲ ኻብኡ ኽንልምን ኢለ፡ ኣብ ርባ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩ። ንንጉስ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንዚደልይዎ ዅላቶም ንጽቡቕ፡ ስልጣኑን ኩራኡን ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዚሓድግዎ ዅላቶም ከም ዝዀነት ኢልናዮ ነበርና እሞ፡ ስለዚ ኣብ መገዲ ኻብ ጸላእቲ ኼድሕኑና፡ ጭፍራን ፈረሰኛታትን ምልማን ሐንኽኩ። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ጾምናን ኣብ ኣምላኽና ጸሌናን፡ ንሱ ድማ ሰምዓና።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 13:2 | 2 Helpful votes

እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ኬገልግሉን ኪጸሙን ከለዉ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ በርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ፡ በሎም።

Translation | Context
ዳንኤል 9:3 | 2 Helpful votes

ብማቕን ብሓመዅስትን እና ጾምኩ ኸኣ ብልማኖን ብምህለላን ገጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ መለስኩ።

Translation | Context