Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

famine


ኣሞጽ 8:11 | 9 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን። ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር፣ ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን።

Translation | Context
መዝሙር 107:34 | 5 Helpful votes

ንወሓዝቲ ናብ በረኻ፣ ንዓይኒ ማያት ናብ ንቚጽ ምድሪ፣ ንፍርያም ምድሪ፣ ብሰሪ ኽፍኣት እቶም ዝነበርዋ፣ ናብ ጐልጐል ጨው ለወጦ።

Translation | Context
ሉቃስ 21:11 | 5 Helpful votes

ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን፡ ካብ ሰማይውን መፍርህን ዓብዪ ትእምርትን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 41:53-57 | 4 Helpful votes

እተን ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበራ ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ከኣ ሐለፋ። ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ድማ፡ እተን ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪአትዋ ጀመራ። ኣብ ኵለን ሃገራት ከኣ ጥሜት ኰነ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ግና እንጌራ ነበረ። ኵላ ሃገር ግብጺ ምስ ጠመየት ድማ፡ እቲ ህዝቢ ብዛዕባ እንጌራ ናብ ፈርኦን ጠርዔ። ፈርኦን ድማ ንኹሎም ግብጻውያን፡ ናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ ንሱ ዚብለኩም ግበሩ፡ በሎም። ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ድማ ጥሜት ኰነ። ዮሴፍ ከኣ ኵሉ ሪቕ ከፊቱ፡ ንግብጻውያን እኽሊ ሸጠሎም። እቲ ጥሜት ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ እናበርትዔ ኸደ። እቲ ጥሜት ኣብ ኵላ ምድሪ እናበርትዔ ኸደ እሞ፡ ካብ ኵለን ሃገራት እኽሊ ኪሽምቱ፡ ናብ ዮሴፍ ናብ ግብጺ ይመጹ ነበሩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:7 | 4 Helpful votes

ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
እዮብ 5:20 | 3 Helpful votes

ብዘመን ጥሜት ካብ ሞት፡ ብውግእውን ካብ ሓይሊ ሴፍ ኪብጀወካ እዩ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 7:4 | 3 Helpful votes

ናብ ከተማ ንእቶ እንተ በልና፡ ኣብ ከተማ ጥሜት አሎ እሞ፡ ኣብአ ኽንመውት ኢና፡ ኣብዚ እንተ ተቐመጥናውን ክንመውት ኢና፡ ሕጂ ኸኣ ንኺድ፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ንሰደድ፡ ብህይወት እንተ ሐደጉና፡ ብህይወት ንነብር፡ እንተ ቐተሉና ኸኣ፡ ንመውት፡ ተባሃሀሉ።

Translation | Context
ኣሞጽ 4:6-9 | 3 Helpful votes

ኣነ ድማ ኣብ ኵለን ከተማታትኩም ጽሩይ ስኒ ሀብኩኹም፣ ኣብ ኵለን ስፍራታትኩም ከኣ እንጌራ ኣስኣንኩኹም፣ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፣ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነውን ንዓጺድ ገና ሰለስተ ወርሒ ተሪፍዋ ኸሎ፣ ዝናም ከላእኩኹም። ኣብታ ሓንቲ ኸተማ ኣዝነምኩ፣ ኣብታ ሓንቲ ኸተማ ግና ኣየዝነምኩን። ኣብታ ሓንቲ ኽፍሊ ዘነመ፣ እታ ዘይዘነማ ኽፍሊ ሀጐጐት። ክልተ፣ ሰለስተ ኸተማ ድማ ማይ ኪሰትያ ናብ ሓንቲ ኸተማ ኸዳ እሞ ኣይረወያን። ንስካትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፣ ይብል እግዚኣብሄር። ብሃጕን ብዋግን ወቓዕኩኹም፣ ነቲ ብዙሕ ኣታኽልትኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን በለሳውትኹምን ኣዋልዕኩምን ኣንበጣ በልዖ። ንስካትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፣ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ዮኤል 1:16 | 3 Helpful votes

ግምቢ ኻብ ቅድሚ ዓይንና፣ ሓጐስን ደስታን ከኣ ካብ ቤት ኣምላኽናዶ ተወሲዱ ኣይኰነን፡

Translation | Context
ህዝቅኤል 14:13 | 3 Helpful votes

ኣታ ወዲ ሰብ፣ ሃገር ኣዝያ ጠሊማ ኣባይ ሓጢኣት እንተ ገበረት፣ ኣነ ኸኣ ኢደይ እንተ ዛርጋሕኩላ፣ ነቲ ምርኩስ እንጌራ ድማ እንተ ሰበርኩላ፣ ጥሜት ከኣ እንተ ሰደድኩላ፣ ሰብን እንስሳንውን እንተ ኣጽነትኩላ፣

Translation | Context
ኤርምያስ 48:33 | 2 Helpful votes

ካብቲ ፈራዪ ግርሁን ካብ ሃገር ሞኣብን ፍስሃን ደስታን ጠፍኤ። ነቲ ወይኒ ኣብ መሓምተሊኡ ኣወዳእክዎ። ድሕርዚ ዘቢብ ብእልልታ ኣይሕምተልን፡ እቲ እልልታ ድማ እልልታ ኣይኰነን።

Translation | Context
ኤርምያስ 52:6 | 2 Helpful votes

ኣብታ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲ፡ ጥሜት ኣብታ ኸተማ በርትዔ፡ ህዝቢ እታ ሃገርውን እንጌራ ሰኣነ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 12:10 | 2 Helpful votes

ኣብታ ሃገር ከኣ ጥሜት ኰነ። ኣብታ ሃገር ጥሜት ስለ ዝበርትዔ ድማ፡ ኣብራም ብስደት፡ ኣብኣ ኪቕመጥ፡ ናብ ግብጺ ወረደ።

Translation | Context
ዮኤል 1:17-20 | 2 Helpful votes

እቲ ዘርኢ ኣብ ትሕቲ ድንኵል መሽመሽ፡ እኽሊ ሀጕጉ እዩ እሞ ቈፋፉ ባዶ ዀነ፡ መዓኽንውን ፈረሰ። ኣየ፣ እንስሳታት ዓዕ ይብሉ። እተን መጓሰ ኣሓ ዚጓሰያሉ ስለ ዝሰኣና ቓህመማ፣ መጓሰ ኣባጊዕ ድማ ይስቀያ ኣለዋ። ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰይስ ሓዊ በሊዕዎ፣ ንዅሉ ኣእዋም መሮር ከኣ ሃልሃልታ ሞኽ ኣቢልዎ እዩ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ ኤእዊ አሎኹ። ወሓዚ ማያት ነጺፉ፣ ነቲ መጓሰዪ በረኻ ድማ ሓዊ በሊዕዎ እዩ እሞ፣ እንስሳ መሮርውን ናባኻ የእውዩ አለዉ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:33 | 2 Helpful votes

ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 41:1-57 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ፈርኦን ሐለመ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢሉ ነበረ። እንሆ ድማ፡ ሾብዓተ ንምርኣየን ጽቡቓት፡ ስጋኤን ከኣ ስቡሓት ኣሓ ኻብቲ ርባ ወጺኤን ኣብቲ ሰልሰላ ኺበልዓ ረአየ። ደድሕሪኤን ድማ እንሆ፡ ካልኦት ሾብዓተ ንምርኣየን ክፉኣት፡ ስጋኤን ከኣ ዓባሩ ኣሓ ኻብቲ ርባ ወጺኤን ኣብ ጥቓ እተን ቀዳሞት ኣብ ገምገም ርባ ደው በላ። እተን ንምርኣየን ክፉኣት፡ ስጋኤን ከኣ ዓባሩ ኣሓ ነተን ሾብዓተ ንምርኣየን ጽቡቓትን ስቡሓትን ኣሓ ወሐጥኤን። ፈርኦን ድማ ተበራበረ። ደቀሰ እሞ ካልኣይ ሳዕውን ሐለመ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ሓንቲ ብርዒ ሾብዓተ ፍሩያትን ጽቡቓትን ሰዊት ወጻ። ድሕሪኤን ከኣ እንሆ፡ ሾብዓተ ቐጠንቲ ብንፋስ ምብራቕ ዝሀጐጓ ሰዊት ወጻ። እተን ቀጠንቲ ሰዊት ድማ ነተን ሾብዓተ ፍሩያትን ምሉኣትን ሰዊት ወሓጥኤን። ፈርኦን ከኣ ተበራበረ፡ እንሆ ድማ፡ ሕልሚ ነበረ። ኰነ ድማ፡ ምስ ወግሔ፡ መንፈሱ ኣዕለበጠ፡ ሽዑ ልኢኹ ንዅሎም ጠቢባን ግብጽን ንዅሎም ፈላጣትን ጸውዖም። ፈርኦን ከኣ ሕልሙ ነገሮም። ንፈርኦን ዚፈትሓሉ ግና ኣይነበረን። ሽዑ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ንፈርኦን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኣነ ሎሚ ሓጢኣተይ ዘከርኩ። ፈርኦን ብገላውኡ ተቘጥዔ፡ ንኣይን ንሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራን ከኣ ናብ ቤት ሓለቓ ዘብዔኛታት ኣእተወና። ኣነን ንሱን ብሓንቲ ለይቲ ሕልሚ ሐለምና፡ በበይኑ ዝምፍታሑ ሕልሚ ሐለምና። ኣብኡ ድማ እብራዊ ጐበዝ፡ ባርያ ሓለቓ ዘብዔኛታት፡ ምሳና ነበረ። ንእኡ ነገርናዮ፡ ንሱ ኸኣ ሕልምታትና ፈትሓልና፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ሕልሙ ፈትሖ። ኰነ ድማ፡ ከምቲ ዝፈትሓልና ከምኡ ዀነ። ንኣይ ናብ ኣሰላፍነተይ መለሰኒ፡ ነቲ ኸኣ ሰቐሎ። ሽዑ ፈርኦን ልኢኹ ንዮሴፍ ጸውዖ። ቀልጢፎም ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽእዎ። ንሱ ኸኣ ተላጽዩ ኽዳኑ ለዊጡ ኣብ ፈርኦን ኣተወ። ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ ሕልሚ ሐሊመ፡ ዚፈትሖ ድማ የልቦን። ኣነ፡ ሕልሚ ምስ ሰማዕካ ኸም እትፈትሖ፡ ብዛዕባኻ ኺዛረቡ ሰሚዔ፡ በሎ። ዮሴፍ ድማ ንፈርኦን፡ እዚ ካባይ ኣይኰነን፡ ኣምላኽ ደኣ ንፈርኦን ነገር ሰላም ኪመልሰሉ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ ተዛረቦ፡ እንሆ፡ ኣነ ብሕልመይ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢለ ነበርኩ። እንሆ ኸኣ፡ ሾብዓተ ስቡሓትን መልክዔን ከኣ ጽቡቓትን ኣሓ፡ ካብቲ ርባ ደይበን፡ ኣብ ሰልሰላ ይበልዓ ነበራ። እንሆ ድማ፡ ደድሕሪኤን ካልኦት ሾብዓተ፡ ከማታተን ዝምኽፋኤን ኣብ ኵላ ሃገር ግብጺ እኳ ዘይርኤኹ፡ ዝማሰናን ትርኢተን ኣዝየን ክፉኣትን ዓባሩን ኣሓ ወጻ። እተን ዓባሩን ክፉኣትን ኣሓ ድማ ነተን ሾብዓተ ቐዳሞት ስቡሓት ኣሓ ወሓጥኤን፡ ኣብ ከብደን ድማ አተዋ። ኣብ ከብደን ከም ዝኣተዋ ኸኣ ኣይተፈልጠን፡ ትርኢተን ከም ቀደመን ክፉኣት ነበራ። ተበራበርኩ ድማ። ብሕልመይ ከኣ እንሆ፡ ሾብዓተ ፍሩያትን ጽቡቓትን ሰዊት ኣብ ሓንቲ ብርዒ ኺወጻ ርኤኹ። ድሕሪኤን ድማ እንሆ፡ ዓሸልን ቀጠንትን ብንፋስ ምብራቕ ዝሀጐጓ ሾብዓተ ሰዊት ወጻ። እተን ቀጠንቲ ሰዊት ድማ ነተን ሾብዓተ ጽቡቓት ሰዊት ወሐጥኤን። እዚ ነቶም ጠቢባን ነገርክዎም፡ ዚፈትሓለይ ከኣ ኣይነበረን። ዮሴፍ ድማ ንፈርኦን በሎ፡ ሕልሚ ፈርኦን ሓደ እዩ። ኣምላኽ ኪገብሮ ዘለዎ ንፈርኦን ኣግሀደሉ። እተን ሾብዓተ ጽቡቓት ኣሓ ሾብዓተ ዓመት እየን፡ እተን ሾብዓተ ጽቡቓት ሰዊት ድማ ሾብዓተ ዓመት እየን። ሕልሙ ሓደ እዩ። እተን ደድሕሪኤን ዝወጻ ሾብዓተ ዓባሩን ክፉኣትን ኣሓ ኸኣ ሾብዓተ ዓመት እየን። እተን ዓሸል ብንፋስ ምብራቕ ዝሀጐጓ ሾብዓተ ሰዊት ድማ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪዀና እየን። እቲ ንፈርኦን ዝነገርክዎ እዚ እዩ፡ ኣምላኽ እቲ ኺገብሮ ዘለዎ ንፈርኦን ኣርኣዮ። እንሆ፡ ኣብ ብዘላ ሃገር ግብጺ ብዙሕ ጽጋብ ዝዀነለን ሾብዓተ ዓመት ኪመጻ እየን። ብድሕሪኤን ከኣ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪመጻ እየን። ብእኤን እቲ ዅሉ ጽጋብ ኣብ ሃገር ግብጺ ኺርሳዕ እዩ። እቲ ጥሜት ከኣ ነታ ሃገር ኪውድኣ እዩ። ንሱ ኣዝዩ ኺብርትዕ እዩ እሞ፡ ካብቲ ድሕሪት ዚኸውን ጥሜት እተላዕለ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ጽጋብ ኣይፍለጥን። እቲ ፈርኦን ካልኣይ ሳዕ ደጊሙ ምሕላሙ እቲ ነገር ካብ ኣምላኽ ስለ እተቘርጸ እዩ፡ ኣምላኽ ከኣ ቀልጢፉ ኺገብሮ እዩ። ሕጂ ድማ ፈርኦን ኣስተውዓልን ፈላጥን ሰብኣይ ይድለ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ይሽሞ። ፈርኦን ድማ በዘን ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ካብ ፍርያት ምድሪ ግብጺ ሓምሳይ ኣፍ ዜውጽኡ ኣዘዝቲ ኣብ ሃገር ይሽም። ናይዘን ዝመጻ ዘለዋ ዓመታት ጽጋብ ዚብላዕ ዝዀነ ዅሉ ይአክቡ። እቲ እኽሊ ድማ ንቐለብ ኪኸውን ኣብ ትሕቲ ኢድ ፈርኦን ኣብ ከተማታት ይደለብ፡ ይሐልውዎ ኸኣ። እቲ እኽሊ ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዚመጻ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ነታ ሃገር ኪኸውን ይተዐቘር፡ እታ ሃገር ከኣ ብጥሜት ኣይትጠፍእን። እዚ ነገርዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ዅሎም ገላውኡን ጽቡቕ ኰነ። ፈርኦን ከኣ ንገላውኡ፡ ከምዚ ዝበለ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ሰብኣይ ዶኾን ንረክብ፧ በሎም። ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ ኣምላኽ እዚ ዅሉ ንኣኻ ኻብ ኣፍለጠካ፡ ከማኻ ዝበለ ኣስተውዓልን ፈላጥን የልቦን። ንስኻ ኣብ ልዕሊ ቤተይ ኩን፡ ኵሉ ህዝበይ ንቓልካ ይተኣዘዝ፡ ኣነ ብዝፋነይ ጥራይ እየ ኻባኻ ዝዐቢ፡ በሎ። ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍ፡ ርኤ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ሃገር ግብጺ ሸይመካ አሎኹ፡ በሎ። ፈርኦን ድማ ቀለቤቱ ኻብ ኢዱ ኣውጺኡ ናብ ኢድ ዮሴፍ ገበረሉ፡ ሻሽውን ከደኖ፡ ኣብ ክሳዱ ኸኣ ድሪ ወርቂ ገበረሉ። ናብ ካልአይቲ ሰረገላኡ ድማ ኣወጥሖ፡ ቀቅድሚኡ ኸኣ፡ ስገድ፡ ኢሎም ጨደሩ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ሃገር ግብጺውን ሾሞ። ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ ኣነ ፈርኦን እየ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ብዘይ ፍቓድካ ኢዱ ወይስ እግሩ ኣየልዕል፡ በሎ። ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍ ስሙ ጻፍናት-ጳዕናሕ ኣውጽኣሉ። ኣሰናት፡ ጓል ጶጢፌራዕ ካህን ኦን፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ። ዮሴፍ ከኣ ናብ ምድሪ ግብጺ ወጸ። ዮሴፍ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ደው ኪብል ከሎ፡ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ። ዮሴፍ ካብ ቅድሚ ፈርኦን ወጺኡ ናብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ዞረ። እታ ምድሪ ድማ በተን ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ብዙሕ ሓፍሻ ሀበት። ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበረ ዅሉ ናይተን ሾብዓተ ዓመት እኽሊ ድማ አከበ፡ ነቲ እኽሊ ኸኣ ኣብ ከተማታት ደለቦ። እኽሊ እቲ ኣብ ዙርያ ኸተማታት ዝነበረ ግራሁ ድማ ነናብ ማእከል ከታማኡ አከበ። ዮሴፍ ከኣ፡ እቲ እኽሊ ቝጽሪ ዜብሉ ነበረ እሞ፡ ምቝጻር ክሳዕ ዚሐድጎ፡ ከም ሑጻ ባሕሪ ኣዝዩ ብዙሕ አከበ። ገና ዓመት ጥሜት ከይመጸት ከላ፡ ኣሰናት፡ ጓል ጶጢፌራዕ ካህን ኦን፡ ዝወለደትሉ፡ ንዮሴፍ ክልተ ወዲ ተወልዱሉ። ዮሴፍ ድማ፡ ኣምላኽ ኵሉ መከራይን ኵሉ ቤት ኣቦይን ኣረሲዑኒ እዩ እሞ፡ ኢሉ ስም እቲ በዅሪ ምናሴ ኣውጽኣሉ። ነቲ ኻልኣይ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ መከራይ ኣፍርዩኒ፡ ኢሉ ስሙ ኤፍሬም ኣውጽኣሉ። እተን ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበራ ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ከኣ ሐለፋ። ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ድማ፡ እተን ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪአትዋ ጀመራ። ኣብ ኵለን ሃገራት ከኣ ጥሜት ኰነ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ግና እንጌራ ነበረ። ኵላ ሃገር ግብጺ ምስ ጠመየት ድማ፡ እቲ ህዝቢ ብዛዕባ እንጌራ ናብ ፈርኦን ጠርዔ። ፈርኦን ድማ ንኹሎም ግብጻውያን፡ ናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ ንሱ ዚብለኩም ግበሩ፡ በሎም። ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ድማ ጥሜት ኰነ። ዮሴፍ ከኣ ኵሉ ሪቕ ከፊቱ፡ ንግብጻውያን እኽሊ ሸጠሎም። እቲ ጥሜት ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ እናበርትዔ ኸደ። እቲ ጥሜት ኣብ ኵላ ምድሪ እናበርትዔ ኸደ እሞ፡ ካብ ኵለን ሃገራት እኽሊ ኪሽምቱ፡ ናብ ዮሴፍ ናብ ግብጺ ይመጹ ነበሩ።

Translation | Context
ድጒዓ 5:10 | 2 Helpful votes

ካብቲ ረስኒ ጥሜት እተላዕለ ቈርበትና ኸም እቶን ጸለመ።

Translation | Context
ሉቃስ 14:12-14 | 2 Helpful votes

ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፥ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ። ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብጹእ ክትከውን፡ ብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ።

Translation | Context