Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

family


ቈሎሴ 3:20 | 8 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:5 | 8 Helpful votes

ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:4 | 5 Helpful votes

ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:12-17 | 5 Helpful votes

ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ። ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን። ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ። ኣነ ሐሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም። ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 128:3 | 5 Helpful votes

ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ እዮም።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:24 | 4 Helpful votes

ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:12 | 4 Helpful votes

ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።

Translation | Context
ኤፌሶን 3:14-15 | 4 Helpful votes

ምእንትዚውን ናብቲ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ወለዶታት ካብኡ ዚስመ ኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:1 | 3 Helpful votes

ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ፡ በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:1-3 | 3 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም። ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 16:31-34 | 3 Helpful votes

ንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ። ንእኡን ኣብ ቤቱ ንዘለዉ ዂላቶምን ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ነገርዎም። በታ ሰዓት እቲኣ ብለይቲ ወሲዱ ኣቚሳሎም ሐጸቦም። ሽዑ ንሱ ምስ ኲሎም ስድራ ቤቱ ተጠምቀ። ናብ ቤቱ ኣደዪቡ ድማ መኣዲ ቐረበሎም፡ ብኣምላኽ ስለ ዝአመነውን ምስ ኲላቶም ስድራ ቤቱ ተሐጐሰ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:21 | 2 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:19 | 2 Helpful votes

ኣቱም ሰብኡት፡ ነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይትምረርወን።

Translation | Context
ምሳሌ 15:17 | 2 Helpful votes

ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢ፡ ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሐይሽ።

Translation | Context
ምሳሌ 18:19 | 2 Helpful votes

ካብ ጽንዕቲ ኸተማስ እተበደለ ሓው ይቃወም፡ ባእሶም ከኣ ከም መሃርሃር ዕርዲ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 11:3 | 2 Helpful votes

ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 18:19 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ብዛዕባ ኣብርሃም እተዛረቦ ኼምጽኣሉ፡ ንሱ ድማ ብድሕሩኡውን ንቤቱን ንደቁን መገዲ እግዚኣብሄር ኪሕልዉን፡ ጽድቅን ፍርድን ከኣ ኪገብሩን፡ ምእንቲ ኺእዝዞም፡ ፈለጥክዎ፡ በለ።

Translation | Context
ሚልክያስ 2:16 | 2 Helpful votes

ምፍትሕን ንኺዳኑ ብዓመጽ ዚኸድኖን እጸልእ አሎኹ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል። ስለዚ ኸይትጠልሙ መንፈስኩም ሐልዉ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

Translation | Context
መዝሙር 1:1-6 | 2 Helpful votes

ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ። እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚብቚ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን። ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲአን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲ፣ ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም።

Translation | Context