Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

families broken


ማቴዎስ 8:20-23 | 20 Helpful votes

የሱስ ድማ፡ ንወኻሩ ጕድጓድ ኣለወን ነዕዋፍ ሰማይ ድማ ዜጽልላሉ። ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን፡ በሎ። ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ። የሱስ ግና፡ ስዐበኒ ደኣ፡ ንምዉታትሲ ምዉታቶም ይቕበርዎም ሕደጎም፡ በሎ። ናብ ጃልባ ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ሰዐብዎ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:10-18 | 16 Helpful votes

ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተይ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላዉ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውን፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ። ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡

Translation | Context
ሉቃስ 14:26 | 14 Helpful votes

ናባይ ዚመጽእ እንተሎ እሞ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ህይወቱውን ከይተረፈት፡ እንተ ዘይጸልኤ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።

Translation | Context
ራእይ 21:4 | 9 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:7 | 7 Helpful votes

ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 5:1 | 4 Helpful votes

እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context