Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

false gods


1ይ ዮሃንስ 4:1 | 12 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:10 | 12 Helpful votes

ኣነ ኸም ዝዀንኩ ምእንቲ ኸተስተውዕሉን ክትፈልጡን ክትኣምኑንሲ፡ ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ቅድመይ ኣምላኽ ከቶ ኣይተደኰነን፡ ድሕረይ ከኣ ኣይኪኸውንን እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 45:5 | 10 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ካልእ የልቦን፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ብጀካይ ካልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽፈልጡስ፡ ከይፈለጥካኒ እኳ ኣዕጠቕኩኻ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ካልእውን ከቶ የልቦን።

Translation | Context
ዘጸአት 20:3 | 6 Helpful votes

ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 4:12 | 4 Helpful votes

ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 3 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ኤርምያስ 14:14-16 | 3 Helpful votes

ሽዑ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነብያትሲ ብስመይ ሓሶት ይንበዩ ኣለው። ራእይ ሓሶትን ጥንቈላን ከንቱነትን ናይ ልቦም ጥበራን ደኣ እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፡ ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ኣይተዛረብክዎምን ድማ፡ በለኒ። ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብዛዕባ እቶም ኣነ ኸይለኣኽክዎም፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ሰይፍን ጥሜትን ኣይኪህሉን እዩ፡ ኢሎም ብስመይ ዚንበዩ ነብያት፡ እዞም ነብያት እዚኣቶም ብሰይፍን ብጥሜትን ኪጠፍኡ እዮም። ነቶም እተነበዩሎም ህዝቢ ድማ እከዮም ኣብ ርእሶም ከፍስሰሎም እየ፡ ንሳቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ብጥሜትን ብሰይፍን ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪወድቁ እዮም፡ ዚቐብሮም ድማ ኪስእኑ እዮም።

Translation | Context
ዘጸአት 23:13 | 3 Helpful votes

እቲ ዝበልኩኹም ኵሉ ሐልው። ስም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስመዩ፡ ካብ ኣፍካ ኣይሰማዕ።

Translation | Context
ኤርምያስ 6:13-15 | 2 Helpful votes

ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ህሩፋት ረብሓ፡ ካብ ነብዪ ኽሳዕ ካህን ኲላቶም ሓሶት የዘውትሩ ስለ ዘለዉ እዩ። ሰላም ዜልቦስ፡ ሰላም ሰላም እናበሉ፡ ነቲ መውቃዕቲ ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለው። ጽያፍ ስለ ዝገበሩስ ኪሐፍሩዶ እዮም፧ ምንም ኣይሐፍሩን፡ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዚ ምስቶም ዚወድቁ ኺወድቁ፡ ምስ ኣራኻኸብኩሎም ከኣ ጻሕ ኪብሉ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
መዝሙር 115:4-8 | 2 Helpful votes

ጣኦታቶም ኢድ ሰብ ዝገበሮም ብሩርን ወርቅን እዩ። ኣፍ አለዎም፣ ኣይዛረቡን፣ ኣዒንቲ አለዎም፣ ኣይርእዩን፣ እዝኒ አለዎም፣ ኣይሰምዑን፣ ኣፍንጫ አለዎም፣ ኣየጨንዉን፣ ኢድ አለዎም፣ ኣይድህስሱን፣ እግሪ አለዎም፣ ኣይከዱን፣ ብጐረሮኦም ድማ ገለ እኳ ኣየድምጹን። እቶም ዚገብርዎምን ኣብኦም ዚውከሉን፣ ኵሎም ከምኣቶም ኪዀኑ እዮም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 8:6 | 2 Helpful votes

ንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ አሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ አሎና።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:4-6 | 2 Helpful votes

ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ እቲ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ንሱ እዩ።

Translation | Context