Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

22 bible verses about

faith and words


እብራውያን 11:1 | 4 Helpful votes

እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ።

Translation | Context
ሉቃስ 1:37 | 3 Helpful votes

እንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ- ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ - ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ አላ፡ ነታ መኻን እትብሀል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:16 | 3 Helpful votes

ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰሞዑኻን ከተድሕን ኢኻ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 5:17 | 3 Helpful votes

ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ።

Translation | Context
እብራውያን 13:8 | 2 Helpful votes

የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:23 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ ዜፍቅረኒ እንተሎ፡ ቃለይ ይሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።

Translation | Context
ያእቆብ 3:1 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ዚገድድ ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩም፡ ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ።

Translation | Context
ዮሃንስ 4:24 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:15 | 2 Helpful votes

ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም።

Translation | Context
እብራውያን 2:7 | 2 Helpful votes

ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮ፡ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ከለልካዮ፡ ኣብ ግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ሸምካዮ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:17 | 2 Helpful votes

ነቲ መንፈስ ሓቂ፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦ ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ። ንስካትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሐድር ኣባኻትኩምውን ኪነብር እዩ እሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም።

Translation | Context
ቲቶስ 3:5 | 2 Helpful votes

ንሱ ብምሕረት ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን።

Translation | Context
ዮሃንስ 10:30-33 | 2 Helpful votes

ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና። ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸም ብሓድሽ እምኒ ኣልዓሉ። የሱስ ከኣ፥ ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹም። ስለ ኣየናዩ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩ ዘሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። ኣይሁድ ከኣ፥ ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ንፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር፡ ስለቲ ጽቡቕ ግብርታት ካስ ኣይኰንናን ብእምኒ እንቐትለካ፡ ኢሎም መለሱሉ።

Translation | Context
ዳንኤል 4:35 | 2 Helpful votes

እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ብእኡስ ከም ገለ እኵ ኣይቍጸሩን፣ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ከም ፍቓዱ እዩ ዚገብር። ንኢዱ ዚክልክላ፣ ልሰምንታይ እዚ እትገብር፣ ኪብሎ ዚኽእልውን የሎን።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:15 | 2 Helpful votes

ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።

Translation | Context
ኢሳይያስ 1:18 | 2 Helpful votes

ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ኪጽዕዱ፡ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 23:23-24 | 2 Helpful votes

ካንዶ ናይ ቀረባ ኣምላኽ ጥራይ እየ፡ ናይ ርሑቕ ኣምላኽሲ ኣይኰንኩንዶ፧ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኸይርእዮስ ሰብዶ ኣብ ስዉር ስፍራ ኺሕባእ ይከኣሎ እዩ፧ ይብል እግዚኣብሄር። ሰማይን ምድርን ዝመልእዶ ኣነ ኣይኰንኩን፧ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 7:22 | 2 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ከምቲ ብእዛንና ዝሰማዕናዮ ዂሉስ፡ ከማኻ የልቦን፡ ብጀካኻውን ኣምላኽ የልቦን እሞ፡ ስለዚ ዓብዪ ኢኻ።

Translation | Context
መዝሙር 24:1 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንምድሪ ኣብ ባሕሪ ሰሪትዋ፣ ኣብ ወሓይዝውን ኣጽኒዕዋ እዩ እሞ፣ ንሳን ምልኣታን፣ ዓለምን ዚነብርዋን ናቱ እዮም።

Translation | Context
እብራውያን 1:12 | 2 Helpful votes

ከም ዓለባ ድማ ክትጥቕልሎ ኢኻ፡ ኪልወጥውን እዩ፡ ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፡ ዓመታትካውን ኣይኪውድኣን እየን፡ ይብል።

Translation | Context
ማርቆስ 12:32 | 2 Helpful votes

እቲ ጸሓፊ ኸኣ፥ መምህር፡ ብሓቂ ጽቡቕ ተዛረብካ፡ ኣምላኽ ሓደ እዩ፡ ብጀካኡ ድማ ካልእ የልቦን።

Translation | Context
እብራውያን 10:10 | 2 Helpful votes

በዚ ፍቓድ እዚ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዚኣክል እተሰውኤ መስዋእቲ ስጋ የሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና አሎና።

Translation | Context