Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

faith and healing


ያእቆብ 5:15 | 10 Helpful votes

እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 11:24 | 7 Helpful votes

ስለ፥ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩም እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:19 | 7 Helpful votes

ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:9 | 6 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 3:16 | 5 Helpful votes

ብስሙ ምእማን ከኣ፡ ስሙ ነዚ እትርእይዎን እትፈልጥዎን ሰብኣይ ኣጽንዖ፡ እታ ብእኡ ምእማን ድማ ነዚ ኣብ ቅድሚ ዂላትኩም ምሉእ ጥዕና ሀበቶ።

Translation | Context
ማርቆስ 5:25-34 | 5 Helpful votes

ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ብብዙሓት ሓኪማት ብዙሕ ተሰቀየት፡ ኵሉ ገንዘባውን ወድኤት፡ ግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይጠቐማን። ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዔት፡ ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬዅ፡ ክሐዊ እየ፡ ኢላ አላ እሞ፡ ብማእከል እቶም ህዝቢ ብድሕሪኡ መጺኣ ኽዳኑ ተንከየት። ብኡብኡ ዓይኒ ደማ ነቐጸ፡ ካብ ሕማማ ከም ዝሐወየት ከኣ ንነፍሳ ተፈለጣ። ሽዑ የሱስ፡ ካብኡ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ብውሽጡ ተፈሊጥዎ፡ ናብቶም ህዝቢ ግልጽ ኢሉ፡ መን እዩ ኽዳነይ ዝተንከየ፧ በለ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ህዝቢ ኺደፍኣካ ትርኢ አሎኻ፡ ንስኻ ግና፡ መን ተንከየኒ፧ ትብል፡ በልዎ። ነታ እዚ ዝገበረት ኪርኢ ድማ ግልጽ ግልጽ በለ። እታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ ኣብኣ ዝዀነ ነገር ፈሊጣ ነበረት እሞ ፈሪሃ፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ ዅሉ እቲ ሓቂውን ነገረቶ። ንሱ ኸኣ፡ ጓለየ፡ እምነትኪ ኣድሓነትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዓዪ፡ በላ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:14 | 5 Helpful votes

ኣብ ማእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 53:5 | 4 Helpful votes

ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና።

Translation | Context
ማቴዎስ 15:28 | 4 Helpful votes

ሽዑ የሱስ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ዓባይ እያ፡ ከም ዝደሌኽዮ ይኹነልኪ፡ ኢሉ መለሰላ። ካብታ ሰዓት እቲኣ ጓላ ሐወየት።

Translation | Context
ያእቆብ 5:14-16 | 3 Helpful votes

ኣብ ማእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ። እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።

Translation | Context
ማቴዎስ 9:28-29 | 3 Helpful votes

ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ዕዉራት ናብኡ መጹ። የሱስ ድማ፡ እዚ ምግባር ከም ዚከኣለኒዶ ትኣምኑ ኢኹም፧ በሎም። ንሳቶም፡ እወ ጐይታይ፡ በልዎ። ሽዑ፡ ከም እምነትኩም ይኹነልኩም፡ ኢሉ ኣዒንቶም ተንከየ።

Translation | Context
ማቴዎስ 8:5-8 | 3 Helpful votes

ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፡ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጺኡ፡ ጐይታይ ቈልዓይ መጽጕዑ ኣብ ገዛይ ወዲቑ፡ ብዙሕ ከኣ ይቕንዞ አሎ፡ እናበለ ለመኖ። የሱስ ድማ፡ እኔኹ፡ መጺኤ ኽሕውዮ እየ፡ በሎ። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ጐይታይ፡ ኣነ፡ ንስካ ናብ ቤተይ ክትኣቱ፡ ኣይበቕዕን፡ እየ እሞ፡ ሓንቲ ቓል ጥራይ ደኣ በል፡ ቈልዓይ ድማ ይሐዊ።

Translation | Context
ማርቆስ 5:34 | 2 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ ጓለየ፡ እምነትኪ ኣድሓነትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዓዪ፡ በላ።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:1 | 2 Helpful votes

ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ ንርኹሳት መናፍስቲ ኼውጽእዎምን ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ኬሕውዩን ስልጣን ሀቦም።

Translation | Context
ማቴዎስ 13:58 | 2 Helpful votes

ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን።

Translation | Context
ማቴዎስ 8:2 | 2 Helpful votes

እንሆ፡ ለምጻም መጺኡ፡ ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ሰገደሉ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 41:10 | 2 Helpful votes

ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 14:8-10 | 2 Helpful votes

ሓደ ሰብኣይ፡ ኣእጋሩ ዝሞተ፡ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ጀሚሩ ዝማህመነ፡ ተዛዊሩ እኳ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ልስጥራ ተቐሚጡ ነበረ። ንሱ ጳውሎስ ኪዛረብ ከሎ ሰምዔ። ጳውሎስ ድማ ተኲሩ ጠመቶ ኪሐዊ እምነት ከም ዘላቶ ምስ ረአየ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ፡ ትኽ ኢልካ በእጋርካ ደው በል፡ በሎ። ብድድ ኢሉ ኸኣ ተዛወረ።

Translation | Context
ማቴዎስ 9:29 | 2 Helpful votes

ሽዑ፡ ከም እምነትኩም ይኹነልኩም፡ ኢሉ ኣዒንቶም ተንከየ።

Translation | Context
ሮሜ 8:1 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን።

Translation | Context