Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

eye for an eye


ማቴዎስ 5:38-39 | 22 Helpful votes

ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ።

Translation | Context
ዘጸአት 21:24 | 22 Helpful votes

ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ። ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ። ኣብ ክንዲ ኢድ፡ ኢድ። ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ።

Translation | Context
ሮሜ 12:17-19 | 19 Helpful votes

ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:38 | 13 Helpful votes

ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:15 | 6 Helpful votes

እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኽፉእ ከይፈድዮ፡ ተጠንቀቑ። ግናኸ ኵሉ ሳዕ ንሓድሕድኩም ንዅሉን ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ።

Translation | Context
ምሳሌ 13:3 | 5 Helpful votes

ኣፉ ዚሕሉ ህይወቱ ይባልህ፡ ከናፍሩ ጋህ ዜብልግና ጥፍኣት ይረኽቦ።

Translation | Context
ሮሜ 12:10-21 | 4 Helpful votes

ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። ንምትጋህ ኣይትተሃከዩ፡ ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። ብተስፋ ተሐጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ። ብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ፡ ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ። ንዚሰጉኹም መርቑ፡ መርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ። ንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይሕሰቡ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።

Translation | Context
ዘዳግም 19:21 | 3 Helpful votes

ዓይንኻ ኣይተናሕስየሉ፡ ኣብ ክንዲ ነፍሲ፡ ነፍሲ፡ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፡ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ፡ ኣብ ክንዲ ኢድ፡ ኢድ፡ ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:29 | 2 Helpful votes

መልትሕካ ንዝወቕዓካ እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉ፡ ክዳንካ ንዝወሰደ ቐምሽካውን ኣይትኽልኣዮ።

Translation | Context
ዘጸአት 21:12 | 2 Helpful votes

እቲ ንሰብ ወቒዑ ዝቐተለ ሞት ይሙት።

Translation | Context