Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

exaltation of christ


ሮሜ 8:34 | 3 Helpful votes

እቲ ዚዅንንከ መን እዩ፧ ክርስቶስ የሱስ፡ እቲ ዝሞተ፡ ኤረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስኤ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 7:25 | 2 Helpful votes

ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:33 | 2 Helpful votes

ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘሎኹም ንሱ ኣፍሰሶ።

Translation | Context
ሮሜ 1:4 | 2 Helpful votes

ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ ካብ ምዉታት ብምትንሳኡ፡ ብመንፈስ ቅዱስና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ እተጋህደ፡

Translation | Context
እብራውያን 1:3 | 2 Helpful votes

ንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን ከሎ፡ ኵሉውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ፡ ምንጻህ ሓጢኣትና ምስ ገበረ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ።

Translation | Context
ፊልጲ 2:5-11 | 2 Helpful votes

እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ።

Translation | Context