Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

evil people


ሮሜ 12:21 | 13 Helpful votes

ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።

Translation | Context
መዝሙር 5:4 | 8 Helpful votes

ብረሲእነት ባህ እትብል ኣምላኽ ኣይኰንካን እሞ፣ እኩይ ምሳኻ ኣይሐድርን።

Translation | Context
ሮሜ 1:26-29 | 7 Helpful votes

ስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ። ከምቲ ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዘየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሀቦም። ዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስስዔ፡ ክፍኣት ዝመልኦም፡ ምሉኣት ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰል፡ እከይ፡

Translation | Context
ኤርምያስ 12:1 | 6 Helpful votes

ዎ ጐይታይ፡ እንተ ተማጐትኩኻ እኳ፡ ንስኻስ ጻድቕ ኢኻ፡ ምስናይ እዚውን ብዛዕባ ፍርዲ ኽዛረበካ እደሊ አሎኹ፡ ስለምንታይ እዩ መገዲ ረሲኣን ዚሰልጥ፧ ስለምንታይከ ዂሎም ጠለምትስ ዕድል ዚዀነሎም፧

Translation | Context
ሮሜ 3:23 | 6 Helpful votes

ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም።

Translation | Context
ሮሜ 13:4 | 6 Helpful votes

እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 45:7 | 5 Helpful votes

ብርሃን እገብር፡ ጸልማት ከኣ እፈጥር፡ ደሓን እገብር፡ መዓት ድማ እፈጥር፡ እዚ ዂሉ ዝገብር ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Translation | Context
ሮሜ 2:6-8 | 5 Helpful votes

ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። ማለት፡ ነቶም ሰናይ እናገበሩ ተዐጊሶም ግርማን ክብርን ዘይምጥፋእን ዚደልዩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ። ነቶም ንዓመጻ ዚእዘዙ እምበር፡ ንሓቂ ዘይእዘዙ መሻረውቲ ግና ቊጥዓን መዓትን ኪወርዶም እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 2:9-11 | 4 Helpful votes

እከይ ንትገብር ዘበለት ኲላ ነፍሲ ሰብ፡ ጭንቀትን ጸበባን ኪወርዳ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዂሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሀቦ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:29 | 4 Helpful votes

እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።

Translation | Context
ሮሜ 1:18-22 | 3 Helpful votes

ቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ። ኣምላኽ ገሊጹሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ፡ ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ። ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ። ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞ፡ ንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ።

Translation | Context
እብራውያን 9:27 | 3 Helpful votes

ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሩኡውን ፍርዲ እተሰርዖ፡

Translation | Context