Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

evil and wicked people


ምሳሌ 6:12-16 | 10 Helpful votes

ሕሱም ሰብ፡ ዓመጸኛ ሰብ፡ ብወስላታ ኣፍ ይመላለስ፡ ብዓይኑ ይጠቅስ፡ ብእግሩ ይዛረብ፡ በጻብዑ የመልክት። ተንኰል ኣብ ልቡ እዩ፡ ኵሉ ጊዜ እከይ ይፍሕስ፡ ባእሲ ድማ ይዘርእ። ስለዚ ጥፍኣት ብድንገት ይመጽእ፡ ብቕጽበት ኣይኒ ይጭፍለቕ፡ ፈውሲውን ከቶ የብሉን። እግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹድሽተ ነገር ኣየን፡ ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን፡

Translation | Context
ምሳሌ 28:1-28 | 7 Helpful votes

ረሲኣን ዚሰጎም ዜብሎም ይሀድሙ፡ ጻድቃን ግና ከም ሽደን ኣንበሳ ይተብዑ። ብሰሪ ኣበሳ ሃገርሲ ሓለቓታታ ይበዝሑ፡ ብሳላ ኣስተውዓልን ጥበበኛን ሰብ ግና ህልዋታ ይነውሕ። ንመስኪን ዜንጨንቕ ድኻስ፡ ከምቲ ደምሲሱ እንጌራ ዚኸልእ ዝናም እዩ። መፍረስቲ ሕጊ ንረሲኣን ይንእስዎም፡ ሓለውቲ ሕጊ ግና ይዋግእዎም። እኩያት ሰባትሲ ቅንዕና ኣየስተውዕሉን፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ኵሊ የስተውዕሉ። ካብቲ ብጠዋይ መገዲ ዚኸይድ ሃብታምሲ፡ ብንጽህና ዚመላለስ ድኻ ይሐይሽ። ንሕጊ ዚሕልዎስ ኣስተውዓሊ ውሉድ እዩ፡ ምስ ሓሻሻት ዚመሐዞ ግና ነቦኡ የሕፍሮ። እቲ ብዘይ ግባእ ረብሓን ሐረጣን ገንዘቡ ዜብዝሕ፡ ነቲ ንመሳኺን ዚርሕርሓሎም ይእክበሉ። እቲ ሕጊ ከይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚመልስ፡ ጸሎቱ እኳ ፍንፉን እዩ። እቲ ንቕኑዓት ኣጋግዩ ናብ እኩይ መገዲ ዜእትዎም፡ ባዕሉ ኣብ ጕድጓድ ይወድቕ፡ እቶም ፍጹማት ግና ሰናይ ኪወርሱ እዮም። ሃብታም ሰብ ጥበበኛ ዝዀነ ይመስሎ፡ ግናኸ ኣእምሮ ዘለዎ ድኻ ይዕዘቦ። ጻድቃን እንተ ተዐወቱ፡ ዓብዪ ኽብሪ ይኸውን፡ ረሲኣን ልዕል እንተ በሉ ግና፡ ሰብ ይሕባእ። ገበኑ ዚኽውሎ ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ። ኵሉ ግዜ ዚፈርህ ሰብ ብጹእ እዩ፡ ልቡ ዜትርር ግና ኣብ መከራ ይወድቕ። ኣብ ድኻ ህዝቢ ዚገዝእ ረሲእ ከም ዚጓዝም ኣንበሳን ከም ጥሙይ ድብን እዩ። ኣእምሮ ዜብሉ መስፍን ብዙሕ ይገፍዕ፡ ንፍገት ዚጸልእ ግና መዓልትታቱ የንውሕ። ደም ነፍሲ ዝኸበዶ ሰብ ክሳዕ መቓብር ይሀድም፡ ሓደ እኳ ኣይዕገቶ። ብዘይ መንቅብ ዚመላለስ ይድሕን፡ ብጠዋይ መገዲ ዚኸይድ ግና ብኡብኡ ይወድቕ። ግራቱ ዚከናኸን እንጌራ ይጸግብ፡ ደድሕሪ ምናምን ዚስዕብ ግና ሽጋር ይጸግብ። እሙን ሰብ ኣዝዩ ይባረኽ፡ እቲ ኽህብትም ኢሉ ዚህወኽ ግና ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን። ኣድልዎ ሰናይ ኣይኰነን፡ ሰብ ምእንቲ ቝራስ ኣንጌራ ይብድል። ክፉእ ዝዓይኑ ሰብ ኪህብትም ይቕልጥፍ፡ ሽጋር ከም ዚወርዶ ኸኣ ኣይፈልጥን። ካብቲ ብልዙብ ልሳን ዜቀባጥርሲ፡ እቲ ንሰብ ዚግስጾ ደሓር ዝበለጸ ሞገስ ይረክብ። እቲ ኻብ ኣቦኡን ኣዲኡን ዚሰርቕ እሞ፡ ሓጢኣት ኣይኰነን፡ ዚብል፡ ንሱ መሓዛ መጣፍኢ እዩ። ረብሓ ዚሀርፍ ሰብ ባእሲ የልዕል። ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ይጸግብ። ብልቡ ዚእመን ዓሻ እዩ፡ ብጥበብ ዚመላለስ ግና የምልጥ። ንድኻ ዚህብ ገለ ኣይጐድሎን፡ ነቲ ኣዒንቱ ዚዕምቶ ግና ብዙሕ መርገም ይወርዶ። ረሲኣን ልዕል እንተ በሉ፡ ሰብ ይሕባእ፡ እንተ ጠፍኡ ግና፡ ጻድቃን ይዕምሩ።

Translation | Context
መክብብ 12:14 | 7 Helpful votes

ኣምላኽሲ ንዅሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን፡ ሰናይ ኮነ ወይስ እኩይ፡ ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:13 | 4 Helpful votes

ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበል።

Translation | Context
መዝሙር 5:4 | 4 Helpful votes

ብረሲእነት ባህ እትብል ኣምላኽ ኣይኰንካን እሞ፣ እኩይ ምሳኻ ኣይሐድርን።

Translation | Context
ሮሜ 6:23 | 3 Helpful votes

ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 34:21 | 3 Helpful votes

ክፍኣት ንረሲእ ይቐትሎ፣ ንጻድቕ ዚጸልኡ ኸኣ ኪዅነኑ እዮም።

Translation | Context
ሚክያስ 2:1 | 3 Helpful votes

እቶም ኣበሳ ዚምህዙ፣ ኣብ መደቀሲኦም ከኣ እከይ ዜዳልዉ ወይለኦም። ኣብ ስልጣን ኢዶም ስለ ዝዀኑ፣ ብብርሃን ወጋሕታ ይገብርዎ።

Translation | Context
ሮሜ 3:10-18 | 3 Helpful votes

ከምኡውን ተጽሒፉ አሎ፡ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን፡ ሓደ እኳ ዜስተብህል የልቦን፡ ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዚደልዮ የልቦን። ኲላቶም ዘምበሉ፡ ኲላቶም ሐቢሮም ዘይጠቕሙ ዀኑ፡ ጽቡቕ ዚገብር የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን። ጐረሮ ኦም ክፉት መቓብር እዩ፡ ብልሳውንቶም ይጥብሩ፡ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደልቶ አሎ። ኣፎም መርገምን ምርን ምሉእ እዩ። ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፍ እዩ። ኣብ መገዶም ጥፍኣትን ጸበባን አሎ፡ ንመገዲ ሰላም ከኣ ኣይፈልጥዋን እዮም። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶምውን ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:19 | 2 Helpful votes

ካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
መዝሙር 37:1-40 | 2 Helpful votes

ከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪዕጸዱ፣ ከም ልምሉም ቈጽሊ ኸኣ ኪጽምልዉ እዮም እሞ፣ በቶም ገበርቲ እከይ ኣይትዀሪ፣ በቶም ዓመጽቲውን ኣይትቕናእ። ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብ፣ ሰናይ ድማ ግበር ኣብታ ሃገር ተቐመጥ፣ እምነት ከኣ ድለ። ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ፣ ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ። መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ፣ ኣብኡ ተወከል፣ ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ። ንሱ ንጽድቅኻ ኸም ብርሃን፣ ንፍርድኻውን ከም ቀትሪ ኼውጽኦ እዩ። ንእግዚኣብሄር ሀዲእካ ተጸበዮ፣ በቲ ብመገዱ ዚሰልጠሉ፣ በቲ ሕሱም ሃቐና ዚፍጽም ሰብ ኣይትዀሪ። እኩያት ኪጸንቱ እዮም፣ ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፣ ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ፣ ኣይተንጸርጽር፣ እዝስ ናብ እከይ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ። ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፣ ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፣ ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ። ረሲእ ንጻድቕ ይፍሕሰሉ፣ ኣስናኑውን ይሕርቅመሉ። እግዚኣብሄር ዕለቱ ኸም እትመጽእ ይርኢ እዩ እሞ ይስሕቆ። ረሲኣንሲ ንጥቑዕን ድኻን ኬውድቕዎ፣ ነቶም ብቕኑዕ መገዲ ዚኸዱ ኸኣ ኪሐርድዎም፣ ሰይፎም መሰቱ ቀስቶምውን ገተሩ። ሰይፎም ናብ ልቦም እዩ ዚአቱ፣ ቀስቶምውን ኪስበር እዩ። ቀላጽም ረሲኣን ኪስበር እዩ፣ ንጻድቃን ግና እግዚኣብሄር ይድግፎም እዩ እሞ፣ ካብ ሃብቲ ብዙሓት ረሲኣንሲ ሒደት ናይ ጻድቕ ይበልጽ። እግዚኣብሄር ንመዓልትታት ንጹሃት ይፈልጠን፣ ርስቶም ከኣ ንዘለአለም ኪነብር እዩ። ብኽፉእ ዘመን ኣይኪሐፍሩን፣ ብመዓልትታት ጥሜትውን ኪጸግቡ እዮም። ረሲአን ግና ኪጠፍኡ እዮም፣ ጸላእቲ እግዚኣብሄር ድማ ከም ጌጽ ሸኻ እዮም፣ ኪበኑ፣ እወ፣ ከም ትኪ ኺበኑ እዮም። እቶም ብሩኻቱ ንሃገር ኪወርስዋ፣ እቶም ንሱ ዚረግሞም ግና ኪጸንቱ እዮም እሞ፣ ረሲእ ይልቃሕ ኣይመልስንውን፣ ጻድቕ ግና ርሕሩሕ እዩ እሞ ይህብ። ስጕምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይጸንዕ፣ መገዱ ኸኣ ባህ የብሎ። እግዚኣብሄር ብኢዱ ይድግፎ እዩ እሞ፣ እንተ ተዐንቀፈ እኳ ፈጺሙ ኣይኪወድቕን እዩ። ንእሽቶ ነበርኩ፣ ኣሪገ ኸኣ እኔኹ፣ ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን፣ ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን። ኵሉ መዓልቲ ርሕሩሕ እዩ እሞ የለቅሕ፣ ዘርኡውን ብሩኽ እዩ። እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ፣ ንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሐድጎምን፣ ንዘለአለም ይሕለዉ፣ ዘርኢ ረሲኣን ግና ይጸንት እዩ እሞ፣ ካብ እከይ ርሐቕ ሰናይ ከኣ ግበር፣ ንዘለአለምውን ክትነብር ኢኻ። ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ፣ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። ኣፍ ጻድቕ ጥበብ ይዛረብ፣ ልሳኑ ኸኣ ፍርዲ ይነግር። ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ልቡ እዩ፣ ስጕምቱ ሰንከልከል ኣይኪብልን እዩ። ረሲእ ንጻድቕ ይጸናተዎ ኪቐትሎምውን ይደሊ። እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኣይኪሐድጎን፣ ኪፍረድ ከሎውን ኣይኪዅንኖን እዩ። ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ፣ ንሃገር ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ፣ ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ። ንረሲእ፣ ከም ኣብ ቦታኣ ኣስፋሕፊሓ ዝለምለመት ኦም፣ ብስልጣኑ ርኤኽዎ። ምልስ እንተ በልኩ ግና፣ ሰአንክዎ፣ ደሌኽዎ እሞ ኣይረኸብክዎን። ንፍጹም ሰብሲ ጠምቶ፣ እዚ ሰብ እዚ ዳሕራዩ ሰላም እዩ እሞ፣ ነዚ ቕኑዕ ርአዮ። በደልቲ ግና ኵላቶም ኪጠፍኡ እዮም፣ ረሲኣንውን ዳሕራዮም ኪቚረጽ እዩ። ምድሓን ጻድቃን ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ፣ ንሱ ብዘመን ጸገማ መኸወሊኦም እዩ። እግዚኣብሄር ይረድኦምን የናግፎምን፣ ናብኡ ተጸጊዖም እዮም እሞ፣ ካብ ረሲኣን የናግፎምን የድሕኖምን እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 17:30 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ።

Translation | Context
መዝሙር 37:1 | 2 Helpful votes

ከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪዕጸዱ፣ ከም ልምሉም ቈጽሊ ኸኣ ኪጽምልዉ እዮም እሞ፣ በቶም ገበርቲ እከይ ኣይትዀሪ፣ በቶም ዓመጽቲውን ኣይትቕናእ።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:24 | 2 Helpful votes

ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም እሞ፡ ስለዚ እየ፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 3:19 | 2 Helpful votes

እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡

Translation | Context
2ይ ተሰሎንቄ 3:2 | 2 Helpful votes

ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን እሞ፡ እቲ ቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ኣባኻትኩም ዚዀኖ ዘሎ ምእንቲ ኺጐይን ኪኸብርንሲ፡ ካብቶም ዓመጽትን እኩያትን ሰባት ክንድሕን ጸልዩልና።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:15 | 2 Helpful votes

እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ።

Translation | Context