Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

evangelizing


ማቴዎስ 28:19 | 12 Helpful votes

ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

Translation | Context
ማርቆስ 16:15 | 9 Helpful votes

በሎም ድማ፥ ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:16 | 9 Helpful votes

ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:13 | 6 Helpful votes

ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ።

Translation | Context
ፊልሞን 1:6 | 5 Helpful votes

ኣታ ሓወየ፡ ልቢ እቶም ቅዱሳት ብኣኻ ስለ ዝቐሰነ፡ በታ ፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ህድኣትን ረኺበ እየ እሞ፡ እተን ንጐይታና የሱስ ንዅሎም ቅዱሳትን ዘለዋኻ ፍቕርን እምነትን ምስ ሰማዕኩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘሎ ዅሉ ሰናይ ነገር እናፈለጥካ፡ እቲ ሕብረት እምነትካ ምእንቲ ኼስልጥ፡ ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኻ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ ኤመስግን አሎኹ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 33:8 | 4 Helpful votes

ኣነ ነቲ ረሲእ፣ ኣታ ረሲእ፣ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ፣ እንተ በልክዎ፣ ኢልካ ኺጥንቀቕ፣ እንተ ዘይተዛረብካዮ፣ እዚ ረሲእ ብሰሪ ረሲእነቱ ኺመውት እዩ፣ ደሙ ግና ካብ ኢድካ እየ ዝደልዮ።

Translation | Context
መዝሙር 66:16 | 4 Helpful votes

ኣቱም ንኣምላኽ እትፈርሁ ዅሉኹም፣ ንዑ፣ ንነፍሰይ ዝገበረላ ኸዘንትወልኩምሲ፣ ስምዑ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 4 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 3 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 20:24 | 2 Helpful votes

ጒያይን ብጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽም፡ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እናመስከርኩ ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ።

Translation | Context
ሉቃስ 14:23 | 2 Helpful votes

እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ባርያኡ፡ ናብ መገድን ናብ ገዛታትን ውጻእ እሞ ቤተይ ምእንቲ ኽትመልእሲ፡ ኪኣትዉ ተጋደሎም፡ በሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:21 | 2 Helpful votes

ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 4:5 | 2 Helpful votes

ንስኻ ግና ብኵሉ ተጠንቀቕ፡ መከራ ጽገብ፡ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ መልእ።

Translation | Context