Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

ethiopia


ግብሪ ሃዋርያት 8:27-39 | 7 Helpful votes

ተንሲኡ ኸኣ ከደ። እንሆ ድማ፡ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ ኣብ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ስልጡን ኣዛዝ ኲሉ ገንዘብ ዝነበረ፡ ኪሰግድ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ነበረ። ኪምለስ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ነበረ። መንፈስ ከኣ ንፊልጶስ፡ ሕለፍ፡ ናብቲ ሰረገላ ቕረብ፡ በሎ። ፊልጶስ ናብኡ ጐየየ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ኬንብብ ሰምዖ እሞ፡ እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ አሎኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧ በለ። ንፊልጶስ ከኣ ደዪቡ ምስኡ ኪቕመጥ ለመኖ። እቲ ዜንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ጽሑፍ ከኣ እዚ እዩ፡ ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተሳሕበ፡ ኣብ ኢድ ቈራጺኡ ስቕ ከም ዚብል ገንሸል ከኣ፡ ከምኡ ኣፉ ኣይከፈተን። ብምውራዱ ፍርዱ ተሳዕረ፡ ህይወቱ ኻብ ምድሪ ተመንቊሳ እያ እሞ፡ ንወለዶኡ መን ኬዘንትዎ ይኽእል፧ እቲ ስሉብ ከኣ ንፊልጶስ፡ እቲ ነብዪ ብዛዕባ መን እዩ እዚ ዝብል ዘሎ፧ ብዛዕባ ርእሱዶ ወይስ ብዛዕባ ኻልእ እዩ ዚብል ዘሎ፧ እስኪ ንገረኒ፡ እልምነካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ፊልጶስ ከኣ ኣፉ ኸፈተ፡ ካብዛ ጽሕፈት እዚኣ ጀሚሩ ድማ ብዛዕባ የሱስ ወንጌል ሰበኸሉ። መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ ድማ፡ ናብ ማይ በጽሑ። እቲ ስሉብ ከኣ፡ እንሆ ማይ፡ ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧ በለ። ፊልጶስ ከኣ፡ ብዂሉ ልብኻ እንተ ኣሚንካስ፡ ይዀነልካ እዩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ እኣምን አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ነታ ሰረገላ ደው ኬብልዋ ኸኣ ኣዘዘ፡ ፊልጶስን እቲ ስሉብን ክልቲኣቶም ናብቲ ማይ ወረዱ፡ ኣጥመቖውን። ካብ ማይ ምስ ወጹ ኸኣ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ መንዝዖ። እቲ ስሉብ ድማ ባህ ኢልዎ መገዱ ኸደ እምበር፡ መሊሱ ኣይረኣዮን።

Translation | Context
መዝሙር 68:31 | 5 Helpful votes

መሳፍንቲ ኻብ ግብጺ ኺመጹ እዮም፣ ኢትዮጵያ ቐልጢፋ ኣእዳዋ ናብ ኣምላኽ ክትዝርግሕ እያ።

Translation | Context
ኤርምያስ 13:23 | 4 Helpful votes

ኢትዮጵያዊዶ ቘርበቱ ወይስ ነብሪ ዕሮርባይ ምዃኑ ኺልውጥ ይከኣሎ እዩ፧ እምበኣርከ ንስኻትኩም ድማ እከይ ንምግባር ዝለመድኩምሲ ጽቡቕ ያኢ ኽትገብሩ ኢኹም።

Translation | Context
ኣሞጽ 9:7 | 4 Helpful votes

ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ንስኻትኩም ንኣይ ከም ደቂ ኢትዮጵያውያንዶ ኣይኰንኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንእስራኤል ካብ ሃገር ግብጺ፡ ንፍልስጥኤማውያን ድማ ካብ ካፍቶር፡ ንሶርያውያን ከኣ ካብ ደቂ ቂር ኣነዶ ኣይኰንክን ዘውጻእዎም፧

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 8:27 | 4 Helpful votes

ተንሲኡ ኸኣ ከደ። እንሆ ድማ፡ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ ኣብ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ስልጡን ኣዛዝ ኲሉ ገንዘብ ዝነበረ፡ ኪሰግድ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ነበረ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 14:9-15 | 4 Helpful votes

ዜራሕ እቲ ኢትዮጵያዊ ድማ ሽሕ ሳዕ ሽሕ ሰራዊትን ሰለስተ ሚእቲ ሰረገላን ሒዙ ኺዋግኦም ወጸ። ናብ ማረሻ ኸኣ መጸ። ኣሳውን ኪገጥመሉ ወጸ እሞ፡ ኣብቲ፡ ለሰ ሸፋታ ናይ ማረሻ ንውግእ ተሰለፉ። ኣሳ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፡ ጐይታየ፡ ኣብ መንጎ እቲ ብዙሕ እቲ ዘለዎን ኣብ መንጎ እቲ ሓይሊ ዜብሉን ኪረድእ ዚኽእል ብዘይ ንስኻ የልቦን፡ ናባኻ ተጻጋዕና፡ ብስምካ ኢና ኸኣ ነዚ ጭፍራ እዚ ኽንገጥመሉ ዝመጻእና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ርድኣና። ዎ እግዚእብሄር ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና እሞ፡ ሰብ ኪሕይለካ ኣይትሕደግ። እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚ ኣሳን ኣብ ቅድሚ ይሁዳን ሰዐሮም፡ ኢትዮጵያንውን ከኣ ሀደሙ። ኣሳን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ድማ ክሳዕ ግራር ሰጐጒዎም፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱን ተሰባበሩ እሞ፡ ካባታቶም ብህይወቱ ዜምልጥ ክሳዕ ዚሰኣኖም ወደቑ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ድማ ማረኹ። ካብ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኦም ሽብር ኰነ እሞ፡ ኣብ ዙርያ ግራር ንዘለዋ ዂለን ከተማታት ሰዐርወን። ኣባታተን ከኣ ብዙሕ ምርኮ ነበረ እሞ፡ ንዂለን እተን ከተማታት ዘመትወን። ድንኳውንቲ ኸብቲ እናፍረሱ ድማ፡ ብዙሓት ጤለ በጊዕን ኣግማልን ዘመቱ። ናብ የሩሳሌም ከኣ ተመልሱ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:3 | 3 Helpful votes

ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ መድሓኒኻ እየ እሞ፡ ንግብጺ በጀኻ፡ ንኢትዮጵያን ሳባን ኣብ ክንዳኻ ኣሕለፍኩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 18:1-6 | 2 Helpful votes

ኣየ፡ ኣታ ኣብ ክንየው ርባታት ኢትዮጵያ ዘሎኻ፡ ሃገር እቶም ጅጅ ዚብሉ ኣኽናፍ። ኣታ በተን ኣብ ልዕሊ ማያት ዚሰፋ መርከብ ሰልሰላ ጌርካ፡ ብባሕሪ ልኡኻት እትልእኽ ሃገር፡ ኣቱም ፈጣናት ልኡኻት ናብቲ ነዊሕ ዝቚመቱ ልሙጽ ህዝቢ፡ ናብቲ ኻብ መጀመርታ እተፈርሄ ህዝቢ፡ ዚኽፋፍልን ዚረግጽን፡ ሃገሩውን ብርባታት እተመቓቐለ ህዝቢ ኺዱ። ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ፡ ኣብ ምድሪ ሰፊርኩም ዘሎኹም ኲላትኩምውን፡ ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ኣኽራን ልዕል ምስ በለ፡ ተመልከቱ፡ መለኸት ምስ ዚንፋሕ፡ ጽን በሉ። እግዚኣብሄር ከምዚ በለኒ፡ ከም ዳህሪ እቲ ዜንጸባርቕ ጸሓይ፡ ከም ደበና ኣውሊ ኣብ ረስኒ ቐውዒ፡ ሀዲኤ ኣብቲ ዝነብረሉ ስፍራይ ኰይነ ኽጥምት እየ። ቅድሚ ቐውዒ፡ ጊዜ ምዕምባብ ምስ ሐለፈ፡ ዕምባባ ኸኣ ኣብ ምብሳል ዘለላ ኣቢሉ ምስ ከደ፡ ንሓረግ ብኻራ ኣታኽልቲ ወይኒ ገይሩ ኪቘርጾ፡ ነቲ ጫሌዳ ሱር ድማ ኬርሕቖን ኪቘርጾን እዩ። ኲላቶም ሐቢሮም ኣደዳ ኣሞራን ኣኽራንን ኣራዊት መሮርን ኪዀኑ እዮም፡ ኣሞራታት ከኣ ኣብኦም ኪሐግዩ፡ ኲላቶም ኣራዊት መሮር ድማ ኣብኦም ኪኸርሙ እዮም።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 16:8 | 2 Helpful votes

ኢትዮጵያውያንን ልብያውያንንዶ ግዳ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ሰረገላትትን ፈረሰኛታትን ዓብዪ ሰራዊት ኣይነበሩን፧ ኣብ እግዚኣብሄር ስለ እተመርኰስካ ግና፡ ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ሀበካ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 12:3 | 2 Helpful votes

ብሽሕን ክልተ ሚእትን ሰረገላን ስሳ ሽሕ ፈረሰኛን መጸ። ካብ ግብጺ ድማ ቊጽሪ ዜብሉ ህዝቢ፡ ሊብያውያንን ሱኪያውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ ምስኡ መጹ።

Translation | Context
ኣስቴር 1:1 | 2 Helpful votes

ኮነ ኸኣ፡ ብዝመን ኣሓሽዌሮስ፡- እዚ ኣሓሽዌሮስ እዚ፡ እቲ ኻብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ሃገር ዝገዝኤ እዩ። -

Translation | Context
ህዝቅኤል 29:10 | 2 Helpful votes

ስለዚ እኔኹ፣ ኣባኻን ኣብ ርባታትካን ክለዐለካ፣ ንሃገር ግብጺ ኻብ ሚግዶል ክሳዕ ሴኔ ኽሳዕ ዶብ ኢትዮጵያ ኸኣ ምድረ በዳን በረካን ክገብራ እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 20:2-6 | 2 Helpful votes

በቲ ጊዜ እቲ እግዚኣብሄር፡ ብኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ገይሩ፡ ኪድ እሞ ነቲ ማቕ ካብ ሕቜኻ ፍትሓዮ፡ ኣሳእንካ ድማ ካብ ኣእጋርካ ኣውጽእ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱውን ከምኡ ገበረ እሞ ጥራይ ዝባኑን ጥራይ እግሩን ከደ። እግዚኣብሄር ድማ በለ፡ ከምቲ ኢሳይያስ ባርያይ ኣብ ልዕሊ ግብጺን ኢትዮጵያን ምልክትን ትእምርትን ኪኸውንሲ፡ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ዝባንን ጥራይ እግርን ዝኸደ፡ ከምኡ ንጉስ ኣሶር ንእሱራት ግብጺን ንምሩኻት ኢትዮጵያን፡ ናእሽቱን ኣረገውትን፡ ጥራይ ዝባኖምን ጥራይ እግሮምን፡ ስጋኦም ተቐሊዑ ንነውሪ ግብጺ ኺወስዶም እዩ። ንሳቶም ከኣ ብምኽንያት ኢትዮጵያ፡ እቲ ተስፋኦም፡ ብምኽንያት ግብጺ፡ እቲ ኽብረቶም፡ ኪስምብዱን ኪሐፍሩን እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዚነብሩ፡ እንሆ፡ ትጽቢትና፡ እቲ ኻብ ንጉስ ኣሶር ኬናግፈናስ ረዲኤት ደሊና ናብኡ ዝሀደምና እዚ እዩ፡ ንሕና ደኣ ኸመይ ጌርና ኽነምልጥ ኢና፧ ኪብሉ እዮም።

Translation | Context
ዘሁልቍ 12:1 | 2 Helpful votes

ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረ እሞ፡ ሚርያምን ኣሮንን ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ።

Translation | Context
መዝሙር 87:4 | 2 Helpful votes

ካብተን ዚፈልጣኒ፣ ረሃብን ባቢሎንን እሰሚ አሎኹ፣ እንሆ፣ ፍልስጥኤምን ጢሮስን ምስ ኢትዮጵያ፣ እዚኣቶም ኣብኣ ተወሊዶም እዮም።

Translation | Context