Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

eternal separation


2ይ ተሰሎንቄ 1:9 | 6 Helpful votes

እቲ ኣባኻትኩም ዝመስከርናዮ ምስክር ተአሚኑ እዩ እሞ፡ የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅዱሳኑ ኪኸብርን ኣብቶም ዝአመኑ ኺግረምን ምስ መጸ፡ ንሳቶም ብመቕጻዕቲ፡ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታና ክብሪ ስልጣኑን ርሒቖም፡ ኪቕጽዑ እዮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:41 | 3 Helpful votes

ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ።

Translation | Context
ራእይ 20:11-15 | 3 Helpful votes

ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርኤኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሀደሙ፡ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን። ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ፡ መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት፡ ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ። ዝኰነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።

Translation | Context