Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

envy and jealousy


ያእቆብ 3:16 | 13 Helpful votes

ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን አሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን።

Translation | Context
ያእቆብ 4:2-3 | 9 Helpful votes

ትምነዩ እሞ የብልኩምን፡ ትቐትሉን ትቐንኡን እሞ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይከኣለኩምን እዩ፡ ትበኣሱን ትዋግኡን ኢኹም፡ ስለ ዘይለመንኩም የብልኩምን። ትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽትዘርውዎ፡ ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም።

Translation | Context
ያእቆብ 3:14 | 7 Helpful votes

መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሐስዉን።

Translation | Context
ምሳሌ 14:30 | 6 Helpful votes

ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ፡ ቅንኢ ግና ነዕጽምቲ ቝንቍኔኡ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:13 | 6 Helpful votes

ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

Translation | Context
ገላትያ 5:19-21 | 5 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 27:4 | 4 Helpful votes

ቍጥዓ ጨካን እዩ፡ ኵራውን ውሒዝ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቅንኢ ግና መን ደው ይብል፡

Translation | Context
ያእቆብ 3:14-15 | 4 Helpful votes

መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሐስዉን። ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን አሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 3:3 | 4 Helpful votes

ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩም፡ ጸባ መገብኩኹም፡ ዕጽም ብልዒ ኣይኰነን። ገና ኣይከኣልኩምዎን፡ ሕጂ እኳ ኣይትኽእልዎን ኢኹም። ቅንኣት ባእስን ካብ ዚህልወኩምሲ፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየለኹምን፧

Translation | Context
ሮሜ 12:21 | 4 Helpful votes

ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:1-8 | 3 Helpful votes

ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ ፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡

Translation | Context
ምሳሌ 10:12 | 2 Helpful votes

ጽልኢ ቈየቛ የልዕል፡ ፍቕሪ ግና ንዅሉ ኣበሳ ትኽውሎ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:8 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 25:4-5 | 2 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፣ መገድታትካ ምሀረኒ። ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ፣ ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን። ኵሉ መዓልቲ እጽበየካ አሎኹ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:17 | 2 Helpful votes

ቤት ብጻይካ ኣይትተምነ። ሰበይቲ ብጻይካ ግዙኡ፡ ግዝእቱ፡ ብዕራዩ፡ ኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነ።

Translation | Context
ገላትያ 5:22 | 2 Helpful votes

እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ።

Translation | Context