Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

enjoying life


መክብብ 5:18 | 15 Helpful votes

እንሆ፡ ንሰብሲ እዚ ግዲኡ እዩ እሞ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ቝጽሪ መዓልትታት ህይወቱ ኺበልዕን ኪሰትን፡ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚጽዕረሉ ዘበለ ጻዕሪ ጽቡቕ ኪርእን እዩ፡ እዚ ኸኣ ሰናይን ጽቡቕን ኰይኑ ርኤኽዎ።

Translation | Context
ምሳሌ 17:22 | 13 Helpful votes

ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ።

Translation | Context
መክብብ 2:24 | 12 Helpful votes

ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ንነፍሱ ባህ ምባልን ዚሐይሽ የብሉን። እዚውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ርኤኹ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:10 | 9 Helpful votes

ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን።

Translation | Context
መክብብ 11:9 | 8 Helpful votes

ኣታ ወዲ፡ ብንእስነትካ ባህ ይበልካ፡ በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ልብኻ የሐጒስካ፡ በመገዲ ልብኻን ብምጥማት ኣዒንትኻን ተመላለስ። ግናኸ ኣምላኽ ብዛዕባዚ ዅሉ ኣብ ፍርዲ ኸም ዚቑመካ ፍለጥ።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:24 | 6 Helpful votes

ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:17 | 4 Helpful votes

ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም።

Translation | Context
ሉቃስ 1:47 | 3 Helpful votes

መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረአየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 16:11 | 3 Helpful votes

ንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘለአለም ብጽእና አሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 11:28-30 | 3 Helpful votes

ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።

Translation | Context
ሉቃስ 15:7 | 2 Helpful votes

ከምኡ ኸኣ ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትችዓተን ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 21:20 | 2 Helpful votes

ኣብ ቤት ጥበበኛ ኽቡር መዝገብን ዘይትን አሎ፡ ዓሻ ሰብ ግና ይውሕጦ።

Translation | Context
መክብብ 8:15 | 2 Helpful votes

ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚሐይሽ የብሉን እሞ፡ ንታሕጓስ አመስገንኩ፡ እዚውን ኣብ ጻዕሩ በተን ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚህቦ መዓልትታት ህይወቱ ትርፉ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:25-34 | 2 Helpful votes

ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽንን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዋን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም አሎኹ። ንዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧ ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧ ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፧ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም አለኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ እምበርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፡ ኢልኹም ኣይትጨነቑ። ነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም። ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ።

Translation | Context
መክብብ 3:12-13 | 2 Helpful votes

ንኣታቶምሲ ኻብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለው ሰናይ ምግባርን ዜሕሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ። እምበአርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን፡ ብኹሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
መክብብ 7:14 | 2 Helpful votes

በመዓልቲ ጣዕሚ ባህ ይበልካ፡ ብመዓልቲ መከራ ድማ ሕሰብ፡ ሰብ ነቲ ድሕሪኡ ዚኸውን ምእንቲ ኸይፈልጥ፡ ኣምላኽ ነዝን ነተን ገበሮ።

Translation | Context
መክብብ 9:9-10 | 2 Helpful votes

እዚ ብህይወትን በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ እትጽዕረሉ ጻዕርን ጊዴኻ እዩ እሞ፡ ብኹለን መዓልትታት ከንቱነትካ በተን ንሱ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝሀበካ ኹለን መዓልትታት ናይ ከንቱ ህይወትካ ምስታ እተፍቅራ ሰበይቲ ብሓጐስ ንበር። ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እተረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:33 | 2 Helpful votes

ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context