Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

empathy


ኤፌሶን 4:32 | 11 Helpful votes

ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።

Translation | Context
ሮሜ 12:15 | 10 Helpful votes

ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:12 | 8 Helpful votes

እምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:12 | 6 Helpful votes

ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:29 | 5 Helpful votes

እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:8 | 5 Helpful votes

መወዳእታኡ ኸኣ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም፡ እትዳናገጹ፡ ሕውነት እተፍቅሩ፡ ለዋሃት፡ ትሑታት ኩኑ፡

Translation | Context
ፊልጲ 2:3 | 3 Helpful votes

ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:26 | 3 Helpful votes

ሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየ፡ ኲሉ ኣካላት ይስቀ፡ ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣ፡ ኲሉ ኣካላት ሐቢሩ እዩ ዚሕጐስ።

Translation | Context
ገላትያ 6:2 | 3 Helpful votes

ሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ ይጥብር አሎ፡ እምብኣርከ ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ፡ ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ።

Translation | Context
እብራውያን 4:14-16 | 2 Helpful votes

ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን እሞ፡ ብሰማያት ዝሐለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወናስ፡ ምእማንና ነጽንዕ። ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:12 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 1:3-4 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን፡ ይባረኽ፡ በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ፡ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከኣለናስ፡ ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 11:33-35 | 2 Helpful votes

ሽዑ የሱስ፡ ንሳ ኽትበኪ ኸላ፡ እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድውን ኪበኽዩ ኸለዉ ርእዩ፡ ብመንፈሱ ተኪዙ እናሕነቕነቐ፡ ኣበይ ኣንቢርኩምዎ፧ በለ። ንሳቶም፡ ጐይታይ ንዓ እሞ ርኤ፡ በልዎ። የሱስ ነብዔ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:1-31 | 2 Helpful votes

ንህዝበይ ኣጸናንዑ፡ ኣጸናንዑ፡ ይብል ኣምላኽኩም። ንልቢ የሩሳሌም ተዛረቡ፡ ጸበባኣ ኸም እተፈጸመ፡ ኣበሳኣ ኸም እተሐድገላ፡ ስለ ዂሉ ሓጢኣታ ድማ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ካዕበት ከም ዝረኸበት ኣውጁ። ድምጺ ኣዋጂ ይኣውጅ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ኣዳልው፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ። ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኲሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን። ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ኪግለጽ፡ ኲሉ ስጋ ኸኣ ሐቢሩ ኺርእዮ እዩ። ድምጺ፡ ኣውጅ፡ ይብል። ሓደ ኸኣ፡ እንታይ ኢለ ኽእውጅ፧ በለ። ስጋ ዘበለ ዂሉ ሳዕሪ እዩ፡ ኲሉ ኽብሩ ኸኣ ከም ዕምባባ መሮር እዩ። ትንፋስ እግዚኣብሄር ነፉስዎ እዩ እሞ፡ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል። ብሓቂ እቲ ህዝቢ ሳዕሪ እዩ። ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር። ኣቲ ብስራት እተበስሪ ጽዮን፡ ናብ ነዊሕ ከረን ደይቢ፡ ኣቲ ብስራት እተበስሪ የሩሳሌም፡ ድምጽኺ ብሓይሊ ዓው ኣብሊ፡ ብዘይ ፍርሃት ዓው በሊ፡ ንኸተማታት ይሁዳ፡ እንሆ ኣምላኽኩም፡ ኢልኪ ንገሪ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሓይሊ ይመጽእ፡ ብቕልጽሙ ድማ ይገዝእ። እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ አሎ፡ ካሕሳኡ ኸኣ ቀቅድሚኡ ይኸይድ። ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር፡ ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቚፉ ኸኣ ኪስከሞም፡ ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ። ንማያት ብኢዱ ዐሚኹ ዘሰፈረ፡ ንሰማያት ከኣ በጻብዑ ዝሰደረ መን እዩ፧ ንሓመድ ምድሪ ኣብ ሚዛን ዝኣከበ፡ ነኽራን ብሚዛን፡ ንዀረቢት ድማ ብነጥሪ ዝመዘነኸ መን እዩ፧ ንመንፈስ እግዚኣብሄር ዝመርመረ፡ ወይስ መኻሪኡ ዀይኑ ዝመሀሮኸ መን እዩ፧ ምስ መን ተማኸረ፧ ኣእምሮ ዝሀቦ፡ እቲ ቅኑዕ መገዲ ኸኣ ዝመሀሮ፡ ፍልጠት ዘፍለጦ፡ መገዲ ምስትውዓል ድማ ዘርኣዮኸ መን እዩ፧ እንሆ፡ ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኣብ ዕትሮ፡ ከም ሓንቲ በሰር ኣብ ሚዛን ይቚጾሩ፡ እንሆ፡ ንደሴታት ከም ተጐጓ የልዕል። ሊባኖስ ንምንዳድ ኣይኣክልን፡ እንስሳኡውን ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይኣክልን። ኲሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ሓደ ግዛዕ ኣይረኣዩን፡ ሓንቲ ኸም ዜልቦ፡ ከም ከንቱነት ገይሩ ይቘጽሮም። እምበኣርሲ ንኣምላኽ ምስ መን ተማሳስልዎ፧ ምስ ኣየናይ መልክዕከ ኸተመዓራርይዎ ኢኹም፧ ገባር ምስሊ ፍሲ ገይሩ ጣኦት ይገብር፡ ኣምካኺ ድማ ብወርቂ ይልብጦ፡ ብሰንሰለት ብሩር ከኣ ይስልሞ። እቲ ኽሳዕ ክንድዚ ኺስውእ ዓቕሚ ዜብሉ ድኻስ ዘይቊንቊን ዕጨይቲ ይሐሪ፡ ዘይነቓነቕ ምስሊ ዚገብረሉ ኸኣሊ ድማ ይደሊ። ኣእምሮ የብልኩምን፧ እኳዶ ኣይትሰምዑን ኢኹም፧ ካብ ጥንቲዶ እዚ ኣይተዘንተወልኩምን፧ መሰረታት ምድሪ ዚነግርዎዶኸ ኣየስተውዐልኩምን ኢኹም፧ ንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዚቕመጥ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸኣ ከም ኣንበጣ እዮም፡ ንሰማያት ከም ጋንጽላ ዜስጥሖ፡ መሕደሪ ኪኸውን ድማ ከም ድንኳን ዚገብሮ ንሱ እዩ። ንመሳፍንቲ ገለ እኳ ኸም ዘይኰኑ፡ ንፈራዶ ምድሪ ኸም ምናምን ዚገብሮም ንሱ እዩ። ብኡብኡ ምስ ተተኽሉ፡ ብኡብኡ ምስ ተዘርኡ፡ ብኡብኡ ሱር ኣብ ምድሪ ምስ ሰደዱ፡ ንሱ ኡፍ ይብለሎም እሞ ይነቕጹ፡ ዘራጊቶ ኸኣ ከም ብቚበቚ ይወስዶም። ክመዓራረዩስ፡ ምስ መን ከተማሳስሉኒ ኢኹም፧ ይብል እቲ ቅዱስ። ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ፡ ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ፡ በብስሞም ዚጽውዖም እዩ፡ ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን። ኣታ ያእቆብ፡ ከመይ ደኣ ኸምዚ ትብል፡ ኣታ እስራኤልሲ፡ ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ መገደይ ካብ እግዚኣብሄር ሕብእቲ እያ፡ ፍርደይ ከኣ ካብ ኣምላኸይ ሐሊፉ እዩ፡ ኢልካ ትዛረብ፧ እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርን፡ ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ፧ ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ። ኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:12-14 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ።

Translation | Context