Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

emotions


ፊልጲ 4:6-7 | 15 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 29:11 | 15 Helpful votes

ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን።

Translation | Context
ምሳሌ 15:18 | 7 Helpful votes

ኰራዪ ሰብ ቈየቛ የልዕል፡ ዓቃል ግና ባእሲ የህድእ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 7 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
ገላትያ 5:16-24 | 6 Helpful votes

ኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ። ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነ፡ መንፈስውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዝምነ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚኣቶም መጻርርቲ እዮም። ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና፡ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን። እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ። እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም።

Translation | Context
መክብብ 3:4 | 4 Helpful votes

ንብኽያት ጊዜ አለዎ፡ ንሰሓቕ ከአ ጊዜ አለዎ። ንሓዘን ጊዜ አለዎ፡ ንጓይላ ድማ ጊዜ አለዎ።

Translation | Context
ሮሜ 12:15 | 3 Helpful votes

ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 15:13 | 3 Helpful votes

ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ፡ ልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበር።

Translation | Context
እያሱ 1:9 | 3 Helpful votes

ጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 10:5 | 3 Helpful votes

ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።

Translation | Context
ሮሜ 12:9 | 3 Helpful votes

ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ።

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 2 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:13 | 2 Helpful votes

ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:16 | 2 Helpful votes

ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን አሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:8 | 2 Helpful votes

ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:28 | 2 Helpful votes

ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከአሎም ኣይትፍርህዎም።

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 2 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
እብራውያን 10:23 | 2 Helpful votes

እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን እዩ እሞ፡ ነታ እሙንቶ ተስፋና ብዘይ ምንቕናቕ ነጽንዓያ።

Translation | Context
ዮሃንስ 11:35 | 2 Helpful votes

የሱስ ነብዔ።

Translation | Context