Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

education


መክብብ 7:12 | 10 Helpful votes

ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ፡ ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዩኣ ብህይወት ምንባር እዩ እሞ፡ ጥበብ ከም ርስቲ ጽብቕቲ እያ፡ ኤረ ነቶም ጸሓይ ዚርእዩስ ኣዝያ ትጠቕሞም እያ።

Translation | Context
ምሳሌ 16:16 | 7 Helpful votes

ካብ ምጥራይ ወርቂ ክንደይ ኰን ምጥራይ ጥበብ ይበልጽ። ካብ ምጥራይ ብሩርሲ ምጥራይ ምስትውዓል ክንደይ ኰን ይኸብር።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 5 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ምሳሌ 4:13 | 5 Helpful votes

ህይወትካ እያ እሞ፡ ንተግሳጽ ሐዛ፡ ኣይትሕደጋ፡ ሐልዋውን፡

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 5 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
ምሳሌ 16:3 | 4 Helpful votes

ተግባርካ ንእግዚኣብሄር ወፍዮ፡ ሽዑ ሓሳባትካ ኪቀውም እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 11:19 | 3 Helpful votes

ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን፡ ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ እናተዛረብኩም፡ ንደቅኹም ምሀርዎም።

Translation | Context
ምሳሌ 18:15 | 3 Helpful votes

ልቢ ለባም ሰብ ፍልጠት የጥሪ፡ እዝኒ ጠቢባን ከኣ ፍልጠት ትደሊ።

Translation | Context
ምሳሌ 9:10 | 3 Helpful votes

መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትውዓል እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 2 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 9:9 | 2 Helpful votes

ንጠቢብ ትምህርቲ ሀቦ እሞ ወሲኹ ኺጠብብ፡ ንጻድቕ ምሀሮ እሞ ፍልጠት ኪውስኽ እዩ።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:8 | 2 Helpful votes

ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።

Translation | Context
ምሳሌ 22:6 | 2 Helpful votes

ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።

Translation | Context
ዳንኤል 1:17 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰያት እዚኦም ፍልጠት፣ ብዅሉ መጻሕፍትን ጥበብን ከኣ ምስትውዓል ሀቦም። ዳንኤል ድማ ኵሉ ራእያትን ሕልምታትን የስተውዕል ነበረ።

Translation | Context
ዘጸአት 4:12 | 2 Helpful votes

ሕጂ ኸኣ ኪድ፡ ኣነ ምስ ኣፍካ ዀይነ፡ እቲ እትዛረቦ ኸምህረካ እየ፡ በሎ።

Translation | Context
ምሳሌ 10:14 | 2 Helpful votes

ጠቢባንሲ ፍልጠይ ይእርንቡ፡ ኣፍ ዓሻ ግና ናብ ጥፍኣት ቀረባ እዩ።

Translation | Context