Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

ecumenism


ዮሃንስ 17:20-23 | 11 Helpful votes

ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚአምኑ ድማ እምበር፡ ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ዓለም፡ ንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስካ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ። ብኣንድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፦ ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፦ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም።

Translation | Context
ገላትያ 3:28 | 10 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
ሉቃስ 11:23 | 9 Helpful votes

ምሳይ ዘይኰነ፡ ንሱ መቓናቕንተይ እዩ። ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይዘሩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:22 | 6 Helpful votes

ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሐቢርኩም ትህነጹ አሎኹም።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:22 | 5 Helpful votes

እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸ፡ መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ እቲ ነቦን ወድን ዚኽሕዶም፡ ንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስ።

Translation | Context
ማቴዎስ 28:19-20 | 4 Helpful votes

ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 18:21 | 4 Helpful votes

ኤልያስ ድማ ናብ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ቐሪቡ፡ ክሳዕ መአዝ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ፡ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ ኣምላኽ፡ ደድሕሪኡ ስዐቡ፡ በዓል እንተ ደኣ ዀይኑ ኸኣ ንእኡ ስዐቡ፡ በለ። እቶም ህዝቢ ግና ሓንቲ ቓል ኣይመለሱሉን።

Translation | Context
ገላትያ 1:9-11 | 4 Helpful votes

ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፥ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል አሎኹ። ሕጂኸ ንስብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ፡ ወይስ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ፡ ገና ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝብልሲ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ። እምብኣርስ ኣሕዋተይ፡ ኣነ ድማ ብምግላጽ የሱስ ክርስቶስ እየ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን ኣይተመሃርክዎንውን እሞ፡ እቲ ብኣይ እተሰብከ ወንጌል ከም ቅዲ ሰብ ዘይምዃኑ ኤፍልጠኩም አሎኹ።

Translation | Context
ራእይ 13:8 | 3 Helpful votes

እቶም፡ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሐርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኪሰግዱሉ እዮም።

Translation | Context
2ይ ነገስት 17:38-41 | 3 Helpful votes

ነቲ ምሳኻትኩም ዝአቶኽዎ ኺዳን ከኣ ኣይትረስዕዎ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ኣይትፍርህዎም። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደኣ ፍርህዎ፡ ንሱ ድማ ካብ ኢድ ኲላቶም ጸላእትኹም ኬድሕነኩም እዩ። ንሳቶም ግና ከምቲ ስርዓት ቀደሞም ደኣ ገበሩ እምበር፡ ኣይሰምዑን። ከምኡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ይፈርህዎ ነበሩ፡ ንጣኦታቶም ከኣ የገልግልዎም ነበሩ። እቶም ደቆምን ደቂ ደቆምን፡ ንሳቶም ድማ ክሳዕ ሎሚ ኸምቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ይገብሩ አለዉ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:24 | 3 Helpful votes

ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ  ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:8 | 3 Helpful votes

ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:11 | 3 Helpful votes

ግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 6:14-18 | 3 Helpful votes

ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧ ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ አለዎ፧ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ አለዎ፧ ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፧ ኣምላኽ፤ ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና። ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን፡ ኣነውን ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዅሉ ዚከኣሎ ጐይታ።

Translation | Context
ራእይ 18:2 | 3 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ማሕደር ኣጋንንትን ሰፈር ኵሎም ርኹሳት መናፍስትን፡ ሰፈር ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለ ዅሉ ዑፍን ኰይና። ኵሎም ኣህዛብ ካብቲ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ ሰትዮም፡ ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም ነጋዶ ምድሪውን ብሓይሊ ጽጋባ ሀብቲሞም፡ እናበለ ብብርቱዕ ድምጺ ጨደረ።

Translation | Context
ኤርምያስ 25:4-7 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከኣ ንዂሎም እቶም ግዙኣቱ ነብያት ለኣኾም፡ ኣንገንጊሁ ለኣኾም፡ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምን፡ ክትሰምዑ ኢልኩምውን ኣእዛንኩም ኣይጸሎኹምን። ንሳቶም ከኣ በሉ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ንዘለኣለም ኣለም ዝሀባ ምድሪ ኽትነብሩስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ እኩይ መገድኹምን ካብ እከይ ግብርኹምን ተመለሱ። ከተምልኽዎምን ክትሰግዱሎምን ኢልኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዐቡ፡ ብግብሪ ኣእዳውኩም ኣይተዀርዩኒ፡ ኣነውን ክፉእ ኣይክገብረኩምን እየ። ግናኸ ንጒድኣትኩም ደኣ ብግብሪ ኣእዳውኩም ኣኰሬኹምኒ እምበር ኣይሰማዕኩምንን፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ያእቆብ 4:4 | 3 Helpful votes

ኣትን ዘመውቲ፡ ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን።

Translation | Context
2ይ ተሰሎንቄ 3:6 | 3 Helpful votes

እምብኣርስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር፡ ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓዉ ክትፍለዩ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም አሎና።

Translation | Context