Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

economics


2ይ ተሰሎንቄ 3:10 | 7 Helpful votes

ምሳኻትኩም ከሎናውን፡ ገለ ሰብ ኪዓዪ ዘይፈቱ እንተ ዀይኑስ ኣይብላዕውን፡ ኢልና ኣዘዝናኩም እሞ፡ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉ ደኣ፡ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሃብናኩም እምበር፡ መሰል ስለ ዜብልና ኣይኰንናን።

Translation | Context
ምሳሌ 19:17 | 5 Helpful votes

እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሪ ኺፈድዮ እዩ።

Translation | Context
መክብብ 5:10 | 5 Helpful votes

ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን፡ እዚውን ከንቱነት እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:15 | 4 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፥ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ፡ በሎም።

Translation | Context
ዘፍጥረት 41:33-57 | 4 Helpful votes

ሕጂ ድማ ፈርኦን ኣስተውዓልን ፈላጥን ሰብኣይ ይድለ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ይሽሞ። ፈርኦን ድማ በዘን ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ካብ ፍርያት ምድሪ ግብጺ ሓምሳይ ኣፍ ዜውጽኡ ኣዘዝቲ ኣብ ሃገር ይሽም። ናይዘን ዝመጻ ዘለዋ ዓመታት ጽጋብ ዚብላዕ ዝዀነ ዅሉ ይአክቡ። እቲ እኽሊ ድማ ንቐለብ ኪኸውን ኣብ ትሕቲ ኢድ ፈርኦን ኣብ ከተማታት ይደለብ፡ ይሐልውዎ ኸኣ። እቲ እኽሊ ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዚመጻ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ነታ ሃገር ኪኸውን ይተዐቘር፡ እታ ሃገር ከኣ ብጥሜት ኣይትጠፍእን። እዚ ነገርዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ዅሎም ገላውኡን ጽቡቕ ኰነ። ፈርኦን ከኣ ንገላውኡ፡ ከምዚ ዝበለ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ሰብኣይ ዶኾን ንረክብ፧ በሎም። ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ ኣምላኽ እዚ ዅሉ ንኣኻ ኻብ ኣፍለጠካ፡ ከማኻ ዝበለ ኣስተውዓልን ፈላጥን የልቦን። ንስኻ ኣብ ልዕሊ ቤተይ ኩን፡ ኵሉ ህዝበይ ንቓልካ ይተኣዘዝ፡ ኣነ ብዝፋነይ ጥራይ እየ ኻባኻ ዝዐቢ፡ በሎ። ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍ፡ ርኤ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ሃገር ግብጺ ሸይመካ አሎኹ፡ በሎ። ፈርኦን ድማ ቀለቤቱ ኻብ ኢዱ ኣውጺኡ ናብ ኢድ ዮሴፍ ገበረሉ፡ ሻሽውን ከደኖ፡ ኣብ ክሳዱ ኸኣ ድሪ ወርቂ ገበረሉ። ናብ ካልአይቲ ሰረገላኡ ድማ ኣወጥሖ፡ ቀቅድሚኡ ኸኣ፡ ስገድ፡ ኢሎም ጨደሩ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ሃገር ግብጺውን ሾሞ። ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ ኣነ ፈርኦን እየ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ብዘይ ፍቓድካ ኢዱ ወይስ እግሩ ኣየልዕል፡ በሎ። ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍ ስሙ ጻፍናት-ጳዕናሕ ኣውጽኣሉ። ኣሰናት፡ ጓል ጶጢፌራዕ ካህን ኦን፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ። ዮሴፍ ከኣ ናብ ምድሪ ግብጺ ወጸ። ዮሴፍ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ደው ኪብል ከሎ፡ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ። ዮሴፍ ካብ ቅድሚ ፈርኦን ወጺኡ ናብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ዞረ። እታ ምድሪ ድማ በተን ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ብዙሕ ሓፍሻ ሀበት። ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበረ ዅሉ ናይተን ሾብዓተ ዓመት እኽሊ ድማ አከበ፡ ነቲ እኽሊ ኸኣ ኣብ ከተማታት ደለቦ። እኽሊ እቲ ኣብ ዙርያ ኸተማታት ዝነበረ ግራሁ ድማ ነናብ ማእከል ከታማኡ አከበ። ዮሴፍ ከኣ፡ እቲ እኽሊ ቝጽሪ ዜብሉ ነበረ እሞ፡ ምቝጻር ክሳዕ ዚሐድጎ፡ ከም ሑጻ ባሕሪ ኣዝዩ ብዙሕ አከበ። ገና ዓመት ጥሜት ከይመጸት ከላ፡ ኣሰናት፡ ጓል ጶጢፌራዕ ካህን ኦን፡ ዝወለደትሉ፡ ንዮሴፍ ክልተ ወዲ ተወልዱሉ። ዮሴፍ ድማ፡ ኣምላኽ ኵሉ መከራይን ኵሉ ቤት ኣቦይን ኣረሲዑኒ እዩ እሞ፡ ኢሉ ስም እቲ በዅሪ ምናሴ ኣውጽኣሉ። ነቲ ኻልኣይ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ መከራይ ኣፍርዩኒ፡ ኢሉ ስሙ ኤፍሬም ኣውጽኣሉ። እተን ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበራ ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ከኣ ሐለፋ። ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ድማ፡ እተን ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪአትዋ ጀመራ። ኣብ ኵለን ሃገራት ከኣ ጥሜት ኰነ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ግና እንጌራ ነበረ። ኵላ ሃገር ግብጺ ምስ ጠመየት ድማ፡ እቲ ህዝቢ ብዛዕባ እንጌራ ናብ ፈርኦን ጠርዔ። ፈርኦን ድማ ንኹሎም ግብጻውያን፡ ናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ ንሱ ዚብለኩም ግበሩ፡ በሎም። ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ድማ ጥሜት ኰነ። ዮሴፍ ከኣ ኵሉ ሪቕ ከፊቱ፡ ንግብጻውያን እኽሊ ሸጠሎም። እቲ ጥሜት ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ እናበርትዔ ኸደ። እቲ ጥሜት ኣብ ኵላ ምድሪ እናበርትዔ ኸደ እሞ፡ ካብ ኵለን ሃገራት እኽሊ ኪሽምቱ፡ ናብ ዮሴፍ ናብ ግብጺ ይመጹ ነበሩ።

Translation | Context
ምሳሌ 22:7 | 4 Helpful votes

ንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፡ ተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 22:16 | 3 Helpful votes

ንድኻ ዜጥቅዖ የሀብትሞ፡ ንሃብታም ዚህቦ ኣብ ስእነት ጥራይ የብጽሖ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:10 | 3 Helpful votes

እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።

Translation | Context
ሮሜ 13:1-14 | 3 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ። እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ። ምድሓን ካብቲ ዝአመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ አሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። ለይቲ ሐሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:38 | 3 Helpful votes

ሃቡ ኺውሃበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደ፡ ንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም።

Translation | Context
መክብብ 11:4-6 | 3 Helpful votes

ንንፋስ ዚምልከት ኣይዘርእን፡ ንደበና ዚጥምት ድማ ኣይዐጽድን እዩ። ከምቲ ንመገዲ ንፋስ ዘይትፈልጦ፡ ከምቲ ኣዕጽምቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ኸመይ ኢሉ ኸም ዚውጡን ዘይትፈልጦ፡ ከምኡውን ንግብሪ እቲ ዅሉ ዝነገረ ኣምላኽ ኣይትፈልጦን ኢኻ። ኣየናዩ ኸም ዚበቁል፡ እዚ ወይ እቲ ወይስ ክልቲኦም ሓቢሮም እንተ ጸበቑ፡ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ፡ ንምሸትውን ኢድካ ኣይተብኩር።

Translation | Context
ፊልጲ 4:19 | 3 Helpful votes

ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 28:25 | 2 Helpful votes

ረብሓ ዚሀርፍ ሰብ ባእሲ የልዕል። ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ይጸግብ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:8 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 23:15-24 | 2 Helpful votes

ካብ ጐይታኡ ሀዲሙ ንእተማዕቈበካ ባርያ ናብ ጐይታኡ ኣሕሊፍካ ኣይትሀቦ። ምሳኻ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ዝሔሸቶ ኣብ ዝሐረያ ቦታ ይቀመጥ፡ ኣይተጥቅዓዮ ኸኣ። ካብ ኣዋልድ እስራኤል ኣመንዝራ ኣይትኹን፡ ካብ ኣወዳት እስራኤል ከኣ ኣብ ተባዕታይ ዚምንዝር ኣይኹን። ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ዝዀነ መብጽዓኻ ዓስቢ ኣመንዝራን ዋጋ ኸልብን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይተእቱ። ሓረጣ ገንዘብ ኰነ፡ ሓረጣ እኽሊ ዀነ፡ ብዚሕረጥ ኵሉ ነገር ንሓውካ ኣይተሕርጥ። ንጓና ደኣ ኣሕርጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ኣብ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ ንሓውካ ኣይተሕርጥ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መብጽዓ ምስ ተማባጻዕካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዛዕባኡ ኻባኻ ጸብጻብ ኪደሊ እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ከይዀነካ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ። እንተ ዘይተማባጻዕካ ግና፡ ሓጢኣት የብልካን። እቲ ኻብ ከናፍርካ ዝወጸ፡ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብፍቓድካ እተማባጻዕካዮ፡ ኣፍካ እተዛረቦ ሐልዎን ግበሮን። ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ብጻይካ እንተ ኣቶኻ፡ ካብቲ ወይኒ ዊን ከም ዝበለካ፡ ክሳዕ እትጸግብ፡ ብላዕ፡ ናብ ኣቕሓኻ ግና ኣይትግበር።

Translation | Context
ሉቃስ 10:7 | 2 Helpful votes

ኣብታ ቤት ከኣ ንበሩ፡ ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኣባታቶም ካብ ዘሎ ብልዑን ስተዩን። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይትሕለፉ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:9-10 | 2 Helpful votes

ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፡ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ። ሽዑ ቘፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእ፡ መጽመቝኻ ኸኣ ብዀልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ እዩ፡

Translation | Context
ምሳሌ 30:8 | 2 Helpful votes

ጸጊበስ ከይክሕደካ እሞ፣ እግዚኣብሄር መን እዩ፧ ከይብል፡ ወይ ደኽየስ ከይሰርቕ እሞ ስም ኣምላኸይ ከየቃልልሲ፡ ድኽነትን ሃብትን ኣይትሀበኒ፡ ግናኸ በቲ ዜድልየኒ እንጌራ መግበኒ፡ ከንቱነትን ሓሶትን ኣርሕቐለይ።

Translation | Context