Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

earthquakes


ሉቃስ 21:11 | 12 Helpful votes

ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን፡ ካብ ሰማይውን መፍርህን ዓብዪ ትእምርትን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 13:8 | 8 Helpful votes

ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዓል እዩ እሞ፡ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን፡ ጥሜት ኪኸውን እዩ። እዚ መጀመርያ ቕልውላው እዩ።

Translation | Context
ራእይ 11:13 | 6 Helpful votes

በታ ሰዓት እቲኣ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማውን ወደቐ። በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸኣ ሾብዓተ ሽሕ ሰባት ተቐትሉ፡ ነቶም ዝተረፉ ድማ ፍርሃት ሐዞም ንኣምላኽ ሰማይውን ክብሪ ሀብዎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:7 | 5 Helpful votes

ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 16:26 | 3 Helpful votes

ብድንገት ድማ፡ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዚናወጽ፡ ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ምድሪ ዀነ። ብኡብኡ ኸኣ ኲሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፡ ናይ ኲላቶም መቓውሕውን ተፈትሔ።

Translation | Context
መዝሙር 60:2 | 3 Helpful votes

ንምድሪ ኣንቀጥቀጥካያ፣ ተርተርካያ፣ ትናወጽ አላ እሞ፣ ጭዳዳ ጸግን።

Translation | Context
ራእይ 6:12-14 | 3 Helpful votes

ነቲ ሳድሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ርኤኹ እሞ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ ጸሓይ ከም ወጮ ጸለመት፡ ወርሒውን ብዘላ ኸም ደም ኰነት። ኦም በለስ፡ ብርቱዕ ንፋስ ሰሰው ምስ ኣበላ፡ ነቲ ዝጐዔ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ፡ ከምኡ ኸኣ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ወደቑ። ሰማይውን ከም ዚጥቕለል ክታብ ኣግለሰ። ብዘለዉ ኣኽራንን ደሴታትን ካብ ሰስፍራኦም ገዐዙ።

Translation | Context
ማቴዎስ 28:2 | 3 Helpful votes

እንሆ፡ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱ፡ ቅርብ ኢሉ ነቲ እምኒ ገልበጦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተቐመጠ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:1-5 | 2 Helpful votes

ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘልዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 24:19 | 2 Helpful votes

ምድሪ ጥዋዕ ኢላ ትስበር፡ ምድሪ ተረር ኢላ ትትርተር፡ ምድሪ ነነይ ኢላ ትናወጽ።

Translation | Context
ራእይ 16:18 | 2 Helpful votes

በርቅታትን ደሃያትን ነጐዳታትን ድማ ዀነ። ከምኡ ዝበለ ኽንድዚ ዚኣክል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርስ፡ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚፍጠር ከቶ ዘይኰነ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ።

Translation | Context
እብራውያን 12:26 | 2 Helpful votes

ሽዑ ድምጹ ንምድሪ ኣንቀጥቀጣ፡ ሕጂ ግና፡ ሓደ ጊዜ ደጊመ ንሰማይ ከም ዜንቀጥቅጥ ክገብሮ እየ እምበር፡ ንምድሪ ጥራይ ኣይኰንኩን፡ ኡሊ ተስፋ ይህብ።

Translation | Context
እዮብ 9:5-6 | 2 Helpful votes

ንሱ ነኽራን ከይፈለጢ ኸለው የግዕዞም፡ ንቚጥዓኡውን ይገማጥሎም። ንሱ ንምድሪ ኻብ ቦታኣ የናውጻ፡ ኣዕኑዳውን የንቀጥቅጡ፡

Translation | Context
ህዝቅኤል 38:19 | 2 Helpful votes

ብቕንኣተይን ብሓዊ ቝጥዓይን እብል አሎኹ፣ ርግጽ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገር እስራአኢል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 13:13 | 2 Helpful votes

ስለዚ ንሰማያት ከንቀጥቅጦ እየ፡ ምድሪ ኸኣ ብቚጥዓ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ብመዓልቲ ርሱን ነድሪ ኻብ ስፍራኣ ኽትናወጽ እያ።

Translation | Context
መዝሙር 46:2 | 2 Helpful votes

ስለዚ ምድሪ እንተ ተገልበጠት፣ ኣኽራን ኣብ መዓሙቚ ባሕሪ እንተ ተናወጹ፣ ማያቱ እንተ ሀመመን እንተ ዐፈረን፣ ኣኽራን ብነድሮም እንተ አንቀጥቀጡ፣ ንሕናስ ኣይንፈርህን ኢና። [ሴላ።]

Translation | Context