Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

eagles


ኢሳይያስ 40:31 | 22 Helpful votes

እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።

Translation | Context
መዝሙር 103:5 | 7 Helpful votes

ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ እዩ፣ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ።

Translation | Context
ራእይ 12:14 | 6 Helpful votes

ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብ፡ ናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍር፡ ክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ።

Translation | Context
ኤርምያስ 48:40 | 5 Helpful votes

ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ከም ንስሪ ይነፍር፡ ኣኽናፉ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሞኣብ ይዝርግሕ አሎ።

Translation | Context
ራእይ 4:6-8 | 3 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ድማ ከም ባሕሪ መረጸን ዝዀነ፡ ክሪስታል ዚመስል አሎ። ብቕድሚቶምን ብድሕሪቶምን ኣዒንቲ ዝመልኦም ኣርባዕተ እንስሳውን ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን አለዉ። እቲ ቐዳማይ እንስሳ ኸኣ ኣንበሳ ይመስል፡ እቲ ኻልኣይ እንስሳ ድማ ብዕራይ ይመስል፡ እቲ ሳልሳይ እንስሳ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ ዚመስል ገጽ አለዎ፡ እቲ ራብዓይ እንስሳውን ዚነፍር ንስሪ እዩ ዚመስል። እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍሲ ወከፎም ሸሹድሽተ ኽንፊ አለዎም፡ ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዒንቲ መሊእዎም እዩ፡ ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ፡ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን ኵሉ ዚከአሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ፡ ይብሉ።

Translation | Context
ዘጸአት 19:4 | 3 Helpful votes

እቲ ኣብ ግብጻውያን ዝገበርክዎ፡ በኽናፍ ንስሪ ጾይረ ናባይ ከም ዘምጻእኩኹምን ድማ ባዕላትኩም ርኢኹም ኢኹም።

Translation | Context
እዮብ 39:27-30 | 3 Helpful votes

ንስሪ ንላዕሊ ዚዐርግ፡ ቤቱውን ኣብ ላዕሊ ዚሰርሕከ ብትእዛዝካ ድዩ፧ ኣብ ከውሒ፡ ኣብ ጫፍ ከውሒ ይነብር፡ ኣብ ልዕሊ እምባ ይሐድር። ኣብኡ ዀይኑ ዚዝረፍ የማዕዱ፡ ኣዒንቱ ኽሳዕ ርሑቕ ይጥምታ። ጨጫውቱ ደም ይመጽዩ፡ ኣብቲ ቕቱላት ዘለውዎ ንሱ ኣብኡ ይርከብ።

Translation | Context
ምሳሌ 30:19 | 2 Helpful votes

መገዲ ንስሪ ኣብ ሰማይ፡ መገዲ ተመን ኣብ ከውሒ፡ መገዲ መርከብ ኣብ ማእከል ባሕሪ፡ መገዲ ሰብኣይ ምስ ቆንጆ።

Translation | Context
ኤርምያስ 49:22 | 2 Helpful votes

እንሆ፡ ከም ንስሪ ኺድይብ፡ ኪነፍር፡ ኣኽናፉ ድማ ኣብ ልዕሊ ቦጽራ ኺዝርግሕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ልቢ እቶም ጀጋኑ ኤዶም ከም ልቢ ቅልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ዳንኤል 7:4 | 2 Helpful votes

እቲ ቐዳማይ ነንበሳ ይመስል፣ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፍ ኽሳዕ ዚምንቄሳ ኸኣ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ ተንስኤ፣ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፣ ልቢ ሰባውን ተዋህቦ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 17:3 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ተዛረብ፣ ገዚፍ ዘኽናፉ፣ ነዊሕ ዝመንገብገቡ፣ ዓንጥዓንጦራይ ክንቲት ዝመልኦ ዓብዪ ንስሪ ኣብ ሎባኖስ መጸ እሞ ርእሲ ጨንፈር እታ ኦም ጽሕዲ ወሰደ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 1:10 | 2 Helpful votes

ምስሊ ገጾም ገጽ ሰብ ይመስል። ኣርባዕቲኦም ከኣ በቲ የማናይ ወገኖም ገጽ ኣንበሳ፡ ኣርባዕቱኦም ድም በቲ ጸጋማይ ወገኖም ገጽ ብዕራይ፡ ኣርባዕቲኦምውን ገጽ ንስሪ ነበሮም።

Translation | Context
ድጒዓ 4:19 | 2 Helpful votes

ሰጐጒትና ኻብ ንስሪ ሰማይ ቀልጠፉ፡ ኣብ ኣኽራን ሀደኑና፡ ኣብ ምድረ በዳ ኣድበዩልና።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:9-11 | 2 Helpful votes

እዚ ምስ በለ ድማ፡ እናረአይዎ ዐረገ፡ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደበና ተቐበለቶ። ንሱ ኺዐርግ ከሎ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ገጾም ኪጥምቱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ የሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም።

Translation | Context