Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

drinking drugs and smoking


ምሳሌ 20:1 | 11 Helpful votes

ወይኒ መላገጺ እዩ፡ ዜስክር መስተ ኸኣ ሃዋኺ እዩ፡ በዚ ሰንከልክል ዚብል ዘበለስ ጥበበኛ ኣይከውንን።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 10:9 | 4 Helpful votes

ንደቂ እስራኤል እቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝነገሮም ኲሉ ሕጋጋት ምእንቲ ኽትምህርዎም፡ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፡ ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን ድማ ክትፈልዩ፡ ንስኻን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትዉ ኸሎኹም፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዩ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:19 | 4 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:10 | 4 Helpful votes

ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:18 | 3 Helpful votes

ዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 5:22 | 3 Helpful votes

እቶም ንምስታይ ወይኒ ዚሕይሉ፡ ዜስክር መስተ ንምሕዋስ ከኣ ዚብርትዑ ሰብ ወይለኦም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 5:11 | 3 Helpful votes

እቶም ንብርቱዕ መስተ ኺስዕቡ ወጋሕታ ኣንጊሆም ዚትንስኡ፡ ወይኒ ኽሳዕ ዜርስኖም ድማ ኣዝዮም ዜምስዩስ ወይለኦም።

Translation | Context
ኣንባቆም 2:15 | 3 Helpful votes

ብሰሪ ደም ሰብን ብሰሪ እቲ ንሃገርን ከተማን ኣብኣተን ዚነብሩ ዅላቶምን እተገብረ ዓምጻን፡ እቲ ንሊባኖስ ዝዐመጽካያም እቲ ንእንስሳታት ዜስክሕ ጥፍኣት ዝገበርካዮን ኬጐልብበካ እዩ እሞ፡ እቲ ንብጻዩ ዜስትዮን፡ ዕርቃኑ ኺርእስ ዜስክሮን መርዚ ዜቕርበሉን ወይለኡ። ንስካ ኣብ ክንዲ ኽብርስ ነውሪ ክትጸግብ ኢኻ፡ ንስኻ ድማ ስተ፡ ነቲ ዘይግዙር ምዃንካውን ቅልዓዮ፡ እቲ ጽዋዕ የማን ኢድ እግዚኣብሄር ኪምለሰካ፡ ኣብ ልዕሊ ክብርኻ ድማ ነውራም ትፋእ ኪዀነካ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:19-20 | 3 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
ምሳሌ 31:6 | 2 Helpful votes

ብርቱዕ መስተስ ነቲ ናብ ጥፍኣት ዝቐረበ፡ ወይኒ ኸኣ ነቶም ነፍሶም እተመረረት ሰባት ደኣ ሀቡ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:21 | 2 Helpful votes

ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።

Translation | Context