Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

8 bible verses about

dream


መክብብ 5:3 | 6 Helpful votes

ሕልሚ ብምዛሕ ጉዳይ እዩ ዝመጽእ፡ ድምጺ ዓሻ ኸኣ ብምብዛሕ ቃላት እዩ ዚስማዕ እሞ፡ ብኣፍካ ኣይትተሃወኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍ። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዩ፡ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቓላትካ ሒደት ይኹን።

Translation | Context
ኤርምያስ 23:28 | 5 Helpful votes

እቲ ሕልሚ ዝሐለመ ነብዪ ሕልሚ ይዛረብ፡ እቲ ቓለይ ዘለዎ ኸኣ ብሓቂ ቓለይ ይንገር። ሓሰር ምስ እኽሊ እንታይ አለዎ፧ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 5 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:17 | 5 Helpful votes

በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም።

Translation | Context
ዘካርያስ 10:2 | 4 Helpful votes

እቶም ጣኦታት ቤት ከንቱ ይዛረቡ፣ እቶም ጠንቈልቲ ኸኣ ሓሶት ይርእዩ፣ ሕልሚ ሓሶት ይነግሩ፣ ብኸንቱውን የጸናንዑ። ስለዚ ኸም ኣባጊዕ ተባረሩ፣ ጓሳ የብሎምን እሞ፣ ተጨነቑ።

Translation | Context
መክብብ 5:7 | 4 Helpful votes

ብዙሕ ሕልሚ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ብዙሕ ከንቱነትን ብዙሕ ቃላትን አሎ እሞ፡ ስጋኻ ሓጢኣት ከየገብርስ፡ ንኣፍካ ፍቓድ ኣይትሀቦ፡ ኣብ ቅድሚ ልኡኽውን፡ ጌጋ እዩ፡ ኣይትበል። ስለምንታይከ ኣምላኽ ብደሃይካ ዚዅርን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ዜጥፍኦን፡ ንስኻስ ንኣምላኽ ፍርሃዮ ደኣ።

Translation | Context
ዮኤል 2:28 | 4 Helpful votes

ብድሕርዚ ኪኸውን እዩ፣ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክዅዑ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፣ ኣረገውትኹም ሕልሚ ኪሐልሙ፣ ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም።

Translation | Context
እዮብ 20:8 | 3 Helpful votes

ከም ሕልሚ ይበርር እሞ ኣይርከብን፡ ከም ራእይ ለይቲውን ይበንን።

Translation | Context