Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

8 bible verses about

dreadlocks


ዘሁልቍ 6:5 | 35 Helpful votes

ብዅለን መዓልታት መብጽዓ ናዝራዊነቱ መላጸ ናብ ርእሱ ኣይሕለፍ፡ እተን ንእግዚኣብሄር እተፈልየለን መዓልትታት ክሳዕ ዚመልኣ፡ ቅዱስ ይኹን፡ ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ የንውሕ።

Translation | Context
መሳፍንቲ 16:13 | 14 Helpful votes

ደሊላ ኸኣ ንሲምሶን፡ ክሳዕ ሕጂ ኣላጊጽካለይ፡ ሓሶት ተዛረብካኒ ኢኻ፡ ብምንታይ ከም እትእሰር ደኣ ንገረኒ፡ በለቶ። ነቲ ሾብዓተ ሽርበ ርእሰይ ምስ ቅጥኒ እንተ ኣለምክዮ፡ በላ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 21:5 | 10 Helpful votes

ርእሶም ላጽዮም ኣየብርሑ፡ ወሰነ ወሰነ ጭሕሞም ድማ ኣይላጽዩ፡ ኣብ ስጋኦም ከኣ ብጣሕ ኣይብጥሑ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 44:20 | 10 Helpful votes

ነቲ ጸጕሪ ርእሶምሲ በብሓጺሩ ደኣ ኪቘርጽዎ እዮም እምበር፣ ርእሶም ኣይኪላጽዩን፣ ጸጕሮም ድማ ኣይኬነሑን እዮም።

Translation | Context
መሳፍንቲ 16:19 | 10 Helpful votes

ንሳ ኸኣ ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፡ ሓደ ሰብኣይ ጸዊዓ ድማ ነቲ ሾብዓተ ሽርበ ርእሱ ኣላጸየት፡ ክትመልኮ ኸኣ ጀመረት፡ ሓይሉውን ካብኡ ኸደ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:11 | 9 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፡ ንባርያኻውን እንተ ዘይረሳዕካኒ፡ ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደኣ ሀብካኒ፡ ኣነ ድማ ኵሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚብሄር እውፍዮ፡ ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎን፡ ኢላ መብጽዓ ተማባጽዔት።

Translation | Context
ህዝቅኤል 8:3 | 6 Helpful votes

ንሱ ኸኣ ኢድ እትመስል ዘርግሔ፣ ብጸጕሪ ርእሰይ ድማ ሐዘኒ፣ መንፈሰውን ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኣልዐለኒ፣ ብራእይ ኣምላኽ ድማ ናብ የሩሳሌም ወሰደኒ፣ ናብቲ ውሽጣዊ ኣጻድ፣ በቲ ንሰሜን ኣቢሉ ዜርኢ ኣፍደገ፣ ናብቲ እቲ ንቕንኣት ዜለዓዕል ምስሊ ቕንኣት ዝነበሮ ኣምጽኣኒ።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 14:26 | 4 Helpful votes

እቲ ጸጒሪ ርእሱ ድማ ይኸብዶ ነበረ እሞ፡ ቈረጾ። ኣብ ዐዓመት ከኣ እዩ ዚቘርጾ ዝነበረ፡ ምስ ቈረጾ ድማ ነቲ ጸጒሪ ርእሱ መዘኖ፡ ብሚዛን ንጉስ ከኣ ክልተ ሚእቲ ሲቃል ኰነ።

Translation | Context