Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

dominion


ዘፍጥረት 1:26 | 20 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ።

Translation | Context
ሉቃስ 10:19 | 13 Helpful votes

እንሆ፡ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ጸላእን ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም አሎኹ፡ ዚጐድኣኩም ከኣ የልቦን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:28 | 12 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም።

Translation | Context
መዝሙር 8:6 | 9 Helpful votes

ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ሸምካዮ፣ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ጌርካዮ፣

Translation | Context
ሮሜ 6:14 | 8 Helpful votes

ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:1-28 | 8 Helpful votes

ሕጂ ግና ኣታ ያእቆብ፡ እቲ ዝፈጠርካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ እቲ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ተበጅየካ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ብስምካ ጸዋዕኩኻ፡ ንስኻ ናተይ ኢኻ። ብማያት ምስ እትሐልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ብውሒዝ ምስ እትሳገር ከኣ፡ ኣይኬጥሕለካን እዩ፡ ብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትነድድን ኢኻ፡ ሃልሃልታውን ኣይኪህምዀካን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ መድሓኒኻ እየ እሞ፡ ንግብጺ በጀኻ፡ ንኢትዮጵያን ሳባን ኣብ ክንዳኻ ኣሕለፍኩ። ኣብ ኣዒንተይ ብሉጽን ክቡርን ስለ ዝዀንካን ስለ ዘፍቀርኩኻን፡ ኣብ ክንዳኻ ሰባት፡ ኣብ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ። ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምጽኦም፡ ካብ ምዕራብ ከኣ ክኣኻኽበካ እየ። ንሰሜን፡ ኣምጽእ፡ ንደቡብ ከኣ፡ ኣይትኽላእ፡ ነወዳተይ ካብ ርሑቕ፡ ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ነቲ ብስመይ እተጸውዔ ዘበለ ዂሉን ንኽብረይ ዝፈተርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክውን ኣምጻኣዮ፡ እብል አሎኹ ነቲ ዓይኒ ኸለዎስ ዕውር፡ እዝኒ ኸለዎስ ጸማም ዝዀነ ህዝቢ ኣውጽኣዮ፡ ኲሎም ኣህዛብ ብሓደ ይተኣከቡ፡ ህዝብታት ከኣ ይጨምረሩ፡ ካባታቶም ከምዚ ዘመሰለ ኺነግር ዚኽእል መን እዩ፧ እቲ ናይ ቀደም ባህሎም እስኪ የስምዑና፡ ሰብ ሰሚዑ፡ ሓቂ እዩ፡ ምእንቲ ኺብልሲ፡ ምስክሮም የቕርቡ፡ መርትዕኦም ከኣ የፍልጡ። ኣነ ኸም ዝዀንኩ ምእንቲ ኸተስተውዕሉን ክትፈልጡን ክትኣምኑንሲ፡ ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ቅድመይ ኣምላኽ ከቶ ኣይተደኰነን፡ ድሕረይ ከኣ ኣይኪኸውንን እዩ። ኣነ፡ ኣነ እየ እግዚኣብሄር፡ ብጀካይ መድሓኒ የልቦን። ኣነ እየ ዝነገርኩ፡ ዘድሐንኩ፡ ዘስማዕኩ፡ ካልእ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ማእከልኩም ኣይነበረን። ስለዚ ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነውን ኣምላኽ እየ። ካብ ጥንቲ ኣነ እየ፡ ካብ ኢደይ ዜድሕን ከኣ የልቦን፡ ኣነ እገብር፡ ኪኽልክል ዚከኣሎኸ መን እዩ፧ እግዚኣብሄር፡ እቲ ተበጃዊኹም፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ምእንታኹም ናብ ባቢሎን ልኢኸ፡ ንዂሎም፡ ኤረ ንከለዳውያንውን በተን ዚሕጐሱለን መራኽቦም ሰጒጐ ኸህድሞም እየ፡ እግዚኣብሄር እቲ ቅዱስኩም፡ ፈጣር እስራኤል እቲ ንጉስኩም ኣነ እየ። እቲ ንሰረገላን ፈረሰን ንጭፍራን ጅግናን ዘውጽኤ፡ - ኲላቶም ብሓደ ወደቑ፡ ኣይኪትንስኡን ከኣ እዮም፡ ጠፍኡ፡ ከምፈትሊ መብራህቲ ኸኣ ቀሀሙ፡ - እቲ ኣብ ባሕርስ ጐደና፡ ኣብ ብርቱዕ ማያት ከኣ መገዲ ዝገበረ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸኣ ኣይትሕሰቡ። እንሆ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፡ ሕጂ ትበቊል አላ፡ ኣይተለልይዋንዶ ኢኹም፧ እወ፡ መገዲ ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኽገብር እየ። ንህዝበይ፡ እቲ ሕሩየይ፡ ምእንቲ ኸስቲ፡ ማይ ኣብ በረኻ፡ ውሒዝውን ኣብቲ ምድረ በዳ ኽህብ እየ እሞ፡ እንስሳ መሮር፡ እኒወኻርያን ሰገንን፡ ከኽብሩኒ እዮም። እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንቱ እዩ። ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻ ግና ኣይጸዋዕካንን፡ ኣታ እስራኤ፡ ፋዕራይ ኣይገበርካን። ገንእሸል መስዋእቲ ምሕራርካ ኣየቕረብካለይን፡ ብመስዋእትታትካ ድማ ኣየኽበርካንን፡ ብመስዋእቲ ብልዒ ኣየትዐብኩኻን ብዕጣን ከኣ ኣየድከምኩኻን። ብሓጢኣትካ ደኣ ኣትዐብካኒ፡ ብኣበሳኻ ድማ ኣድከምዳኒ እምበር፡ ቀረፋ ብገንዘብ ኣይተወየጥካለይን፡ ብስብሒ መስዋእትኻውን ኣየጽገብካንን። ኣነ፡ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ ገበንካ ዝድምስስ፡ መሊሰ ኸኣ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን። ኣዘክረኒ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ክትረትዕሲ ባዕልኻ ተዛረብ። እቲ ቐዳማይ ኣቦኻ ሓጢኣት ገበረ፡ እቶም መምህራንካ ድማ ዐመጹኒ። ስለዚ ንሓላቑ ቤተ መቕደስ ኣርከክዎም፡ ንያእቆብ ከኣ ንሕርሚ መጦኽዎ፡ ንእስራኤል ድማ ንጸርፊ ወፌኽዎ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:18 | 4 Helpful votes

ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:2 | 3 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል፡ ንፈልጥ አሎና።

Translation | Context
ራእይ 21:3 | 3 Helpful votes

ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፡ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:16 | 2 Helpful votes

ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ መከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፡ ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን እዩ፡ ንሱውን ኪመልከኪ እዩ፡ በላ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 4:10-11 | 2 Helpful votes

ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። ዚነግር እንተ ዀነ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገር፡ ዜገልግል እንተ ዀነውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ይዀኖ። ኣሜን።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:19 | 2 Helpful votes

ካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:11 | 2 Helpful votes

ንዘለኣለም ኣለም ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።

Translation | Context
ምሳሌ 3:6 | 2 Helpful votes

ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 1:21 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ምስ ኣቐመጦ፡ ኣብታ እትመጽእውን እምበር፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ምስ ኣርኣሶ፡ ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ንስኻትኩም እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥዎ፡ እጽልየልኩም አሎኹ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 10:3-4 | 2 Helpful votes

ብስጋ እንመላለስ ክነስና እኳ፡ ከም ስጋስ ኣይንዋጋእን ኢና። ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡

Translation | Context