Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

doing your best


ቈሎሴ 3:23-24 | 26 Helpful votes

ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:15 | 12 Helpful votes

ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 9:24-25 | 10 Helpful votes

ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ዂላቶም ከም ዚጐዩ፡ ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጒየዩ። እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብዂሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ፡ እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኪቕበሉ እዮም፡ ንሕና ግና ነቲ ዘይሐልፍ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:17 | 9 Helpful votes

ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ።

Translation | Context
ምሳሌ 13:4 | 7 Helpful votes

ነፍሲ ሃካይ ሃረር ትብል አላ እሞ ገለ ኣይትረክብን፡ ነፍሲ ትጉሃት ግና ኣዝያ ትጸግብ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:31 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።

Translation | Context
ቲቶስ 2:7 | 4 Helpful votes

ካብቶም ተቓናቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዚብሎ ክፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ብንጹህ ትምህርቲ፡ ብምርዛን፡ መንቅብ ብዜብሉ ጥዑይ ዘረባ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእሰኻ ኣርኣያ ግበር።

Translation | Context
ምሳሌ 10:4-5 | 3 Helpful votes

ብህክይቲ ኢድ ዚዐዪ ይደኪ፡ ኢድ ትጕሃት ግና ተሀብትም። እቲ ብሓጋይ ዚእክብ ጥበበኛ ወዲ እዩ፡ እቲ ብቐውዒ ዚድቅስ ግና ዜሕስር ወዲ እዩ።

Translation | Context
መክብብ 9:10 | 2 Helpful votes

ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እተረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ።

Translation | Context
ቲቶስ 3:1-2 | 2 Helpful votes

ንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ፡ ንመራሕቶም ኪእዘዙ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ፡ ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም።

Translation | Context