Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

dogs


ሉቃስ 16:19-31 | 14 Helpful votes

ቀይሕ ክዳንን ክቡር ቦፍታን ዚኽደን፡ ኵሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውን፡ ብቝስሊ ተወሪሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተ፡ መላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ፡ ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ፡ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረአየ። ጸዊዑ ኸኣ፥ ዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ አሎኹ እሞ ምሓረኒ፡ ኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ፡ ንኣልኣዛር ስደደለይ፡ በሎ። ኣብርሃም ግና፥ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ፡ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበ፡ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀ። ምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ከይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ አሎ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት አለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቃይ እዚኣ ከይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ አሎኹ፡ በሎ። ኣብርሃም ድማ፥ ሙሴን ነብያትን አለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰነን፡ ኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸዶምሲ፡ ኪንስሑ እዮም፡ በሎ። ንሱ ድማ፥ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:6 | 13 Helpful votes

እቲ ቅዱስ ነኽላባት ኣይትሀቡ። ዕንቍኹምውን ኣብ ቅድሚ መፋልስ ኣይትደርብዩ፡ በእጋሮም ከይረግጽዋ እሞ፡ ተመሊሶም ከይትርትሩኹም።

Translation | Context
ምሳሌ 26:11 | 13 Helpful votes

ከልቢ ናብ ትፋኡ ኸም ዚምለስ፡ ዓሻ ኸምኡ ንዕሽነቱ ይደጋግሞ።

Translation | Context
ራእይ 22:15 | 11 Helpful votes

እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመናዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም።

Translation | Context
ፊልጲ 3:2 | 9 Helpful votes

ካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፡ ካብ እኩያት ዓየይቲ ተጠንቀቑ፡ ካብ ምቍርራጽ ተጠንቀቑ።

Translation | Context
ማቴዎስ 15:27 | 7 Helpful votes

ንሳ ግና፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም፡ በለት።

Translation | Context
ዘጸአት 11:7 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ግና ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ኣብ መንጎ እስራኤልን ከም ዚፈሊ፡ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ናብ ኵሎም ደቂ እስራኤል ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ከልቢ ልሳኑ ኣየወሳውስን።

Translation | Context
ማርቆስ 7:24-37 | 4 Helpful votes

ካብኡ ነቒሉ ኸኣ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ሓደ እኳ ኺፈልጦ ኣይፈተወን፡ ኪሕባእ ከኣ ኣይኰነሉን። ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጓላ ብርኹስ መንፈስ እተታሕዘታ፡ ወሪኡ ሰሚዓ መጸት፡ ኣብ እግሩውን ተደፍኤት። እታ ሰበይቲ ጽርኣዊት ነበረት፡ ወለዶኣ ሶርያ ፍንቄ እዩ። ካብ ጓላ ጋኔን ኬውጽኣላ ኸኣ ለመነቶ። የሱስ ድማ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ ኣይኰነን እሞ፡ ሕደጊ፡ ቅድም እቶም ውሉድ ይጽገቡ፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ርፍራፍ ውሉድ ካብ ትሕቲ መኣዲ ይበልዑ እዮም፡ ኢላ መለሰትሉ። ንሱ ድማ ስለ እዚ ቓልዚ ኺዲ እቲ ጋኔን ካብ ጓልኪ ወጺኡ፡ በላ። ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ እታ ቘልዓ ኣብ ዓራት በጥ ኢላ፡ እቲ ጋኔን ከኣ መጺኡላ ረኸበታ። ከም ብሓድሽ ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ጢሮስ ወጸ፡ ብሲዶና ገይሩ ኸኣ፡ ንማእከል ዓሰርተ ዓዲ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ። ሓደ ጸማምን ዓባስን ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኢዱ ኼንብረሉ ለመንዎ። ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ወሲዱ ድማ፡ ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛኑ ኣንቢሩ፡ ጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ። ናብ ሰማይ ቍሊሕ ኢሉ ኣተንፊሱ ኸኣ፡ ኤፋታ፡ በሎ። እዚ፡ ተኸፈት፡ ማለት እዩ። ሽዑ ኣእዛኑ ተኸፍታ፡ ማእሰርቲ ልሳኑ ድማ ተፈትሔ፡ ኣቕኒዑውን ተዛረበ። ንሓደ እኳ ኸይነግሩ፡ ኣምሪሩ ኣዘዞም። ንሳቶም ግና ብመጠን እቲ ዝኸልከሎም ኣዝዮም ኣውረዩ። ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ንዅሉ ጽቡቕ ገበሮ፡ ጸማማት ከም ዚሰምዑ፡ ዓባሳት ከም ዚዛረቡ ገበረ፡ እናበሉ ብዘይ ልክዕ ተገረሙ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 24:14 | 4 Helpful votes

ከምቲ ምስላ እቶም ቀዳሞት፡ ክፉእ ካብቶም ክፉኣት ይወጽእ፡ ዚብሎ እዩ። ኢደይ ግና ኣባኻ ኣይትኸውንን እያ።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 9:8 | 4 Helpful votes

ንሱ ድማ ፍግም ኢሉ፡ ናብ ከማይ ዝበለ ምውት ከልቢ ገጽካ ኽትመልስሲ፡ ጊልያኻ እንታይ እየ፡ በለ።

Translation | Context