Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

doctors


ማርቆስ 2:17 | 12 Helpful votes

የሱስ ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ በሎም።

Translation | Context
ኤርምያስ 8:22 | 11 Helpful votes

ዚልከ ፈውሲዶ ኣብ ጊልኣድ የልቦን፧ ፈዋሲዶኸ ኣብኡ የልቦን እዩ፧ ስለምንታይ ደኣ ቚስሊ ጓል ህዝበይ ተሰፈፉ ዘይሐዊ፧

Translation | Context
ማቴዎስ 9:12 | 9 Helpful votes

የሱስ ግና ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን።

Translation | Context
ሉቃስ 5:17 | 9 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ሓንቲ መዓልቲ ንሱ ኺምህር ከሎ፡ ካብ ኵሉ ዓድታት ገሊላን ይሁዳን የሩሳሌምን ዝመጹ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ተቀሚጦም ነበሩ። ሓይሊ እግዚኣብሄርውን ንምሕዋይ ምስኡ ነበረ።

Translation | Context
መዝሙር 139:13-16 | 9 Helpful votes

ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 19:11-12 | 7 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ብኢድ ጳውሎስ ብዙሕ በይኑ ዝዀነ ተኣምራት ገበረ፡ መኣረምያኡ ወይስ ክዳኑ ኻብ ዝባኑ ወሲዶም ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ ሕማሞም ይሐድጎም፡ ርኹሳት መናፍስቲውን ካባታቶም ይወጹ ነበሩ።

Translation | Context
ምሳሌ 31:6-7 | 6 Helpful votes

ብርቱዕ መስተስ ነቲ ናብ ጥፍኣት ዝቐረበ፡ ወይኒ ኸኣ ነቶም ነፍሶም እተመረረት ሰባት ደኣ ሀቡ። ይስተ እሞ ድኽነቱ ይረስዕ፡ መከራኡ ኸኣ ኣይዘክር።

Translation | Context
ማርቆስ 5:25-26 | 5 Helpful votes

ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ብብዙሓት ሓኪማት ብዙሕ ተሰቀየት፡ ኵሉ ገንዘባውን ወድኤት፡ ግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይጠቐማን።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 20:10 | 4 Helpful votes

ጳውሎስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ በጥ በለ፡ ሐቚፍዎ ኸኣ፡ ነፍሱ ኣብኡ አላ እሞ፡ ዋይዋይ ኣይትበሉ፡ በሎም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 3:6-10 | 4 Helpful votes

ጴጥሮስ ከኣ፡ ወርቅን ብሩርን የብለይን፡ እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ፡ ብስም የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ተንስእ እሞ ኺድ፡ በሎ። ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙ ኸኣ ኣተንስኦ፡ ብኡ ብኡውን ኣእጋሩን ዓክዓካሪቶኡን ጸንዔ። ስር ኢሉ ኸኣ ደው በለ ተዛወረውን። እናተዛወረን እናተሰራሰረን ንኣምላኽ እናኣመስገነን ከኣ ምሳታቶም ናብ ቤተ መቕደስ አተወ። ኲሎም እቶም ህዝቢ ድማ ንሱ ኪኸይድን ንኣምላኽ ኬመስግንን ከሎ ረአይዎ። እቲ ኣብታ ጽብቕቲ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ምጽዋት ዚልምን ዝነበረ ምዃኑ ኣለልዮምዎ፡ በቲ ኣብኡ ዝዀነ ነገር ብስምባድን ብምግራምን መልኡ።

Translation | Context
ሉቃስ 14:13-15 | 4 Helpful votes

ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብጹእ ክትከውን፡ ብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ። ካብቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ሓደ እዚ ምስ ሰምዔ፥ እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ ብጹእ እዩ፡ በሎ።

Translation | Context
እዮብ 13:4 | 4 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና ሓሶት እትኣልሙ ሰባት ኢኹም፡ ኲላትኩም ዘይትጠቕሙ ሓኪማት ኢኹም።

Translation | Context