Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

divorce and remarriage


ማቴዎስ 5:32 | 9 Helpful votes

ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሉቃስ 16:18 | 7 Helpful votes

ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ ካብ ሰብኣያ ንተፈትሔት ዜእቱውን ይዝሙ።

Translation | Context
ሚልክያስ 2:16 | 6 Helpful votes

ምፍትሕን ንኺዳኑ ብዓመጽ ዚኸድኖን እጸልእ አሎኹ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል። ስለዚ ኸይትጠልሙ መንፈስኩም ሐልዉ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

Translation | Context
ዘዳግም 24:1-4 | 6 Helpful votes

ሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ እሞ እንተ ኣእተዋ፡ ይኸውን ድማ፡ ዜሕፍር ነገር ስለ ዝረኽበላ፡ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ እንተ ዘይረኸበት፡ መጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ ይሀባ፡ ካብ ቤቱውን ይስደዳ። ካብ ቤቱ ምስ ወጸት ድማ፡ ከይዳ ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ እቲ ኻልኣይ ሰብኣይውን እንተ ጸልአ፡ መጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ እንተ ሀባ፡ ካብ ቤቱ ድማ እንተ ሰደዳ፡ ወይ እቲ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ፡ ዝወሰዳ ኻልኣይ ሰብኣይ እንተ ሞተ፡ እንድሕሪ ረኸሰት፡ እቲ ዝሰደዳ ቐዳማይ ሰብኣያ፡ ሰበይቱ ኽትከውን፡ መሊሱ ኺወስዳ ኣይኽእልን። እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ነታ እግዚእብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ሓጢኣት ኣይተምጽኣላ።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:9 | 5 Helpful votes

ኣነ ግና፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእትውን ይዝሙ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:15 | 5 Helpful votes

ኣቲ ሰበይቲ፡ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢ፧ ወይስ ኣታ ሰብኣይ፡ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለ። ሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና አሎ።

Translation | Context