Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

divination


ዘዳግም 18:9-12 | 7 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:26-31 | 5 Helpful votes

ምስናይ ደም ገለ እኳ ኣይትብልዑ። ኣይትጠንቊሉን ኣይተማርቱን። ወሰነ ወሰን ጸጒሪ ርእስኹም ኣይትቚረጹ፡ ወሰነ ወሰን ጭሕምኻውን ኣይትቚረጽ። ብዛዕባ ምዉት ኣብ ስጋኹም ቅርጺ ኣይትግበሩ፡ ጽሕፈት ማሕተም ድማ ኣባኻትኩም ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እታ ሃገር ከይትምንዝር፡ እታ ሃገር ድማ ብርኽሰት ከይትመልእ፡ ንጓልካ ኣመንዝራ ጌርካ ኣይተርክሳ። ሰናብተይ ሓልዉ፡ መቕደሰይ ከኣ ፍርሁ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 21:6 | 4 Helpful votes

ንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎ፡ ብደበናን ብተመንን ገይሩ ድማ ይጥንቊል ነበረ፡ መናፍስቲ ዚሐቱን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ከኣ ገበረ። ምእንቲ ኬዀርዮስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፋእ ገበረ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:31 | 4 Helpful votes

ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

Translation | Context
ገላትያ 5:20 | 3 Helpful votes

ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 19:19 | 3 Helpful votes

ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዂሉ ኣንደድዎ። ዋጋኡ እንተ ተጸብጸበ ኸኣ፡ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኰይኑ ተረኽበ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:27 | 3 Helpful votes

ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ መንፈስ ጥንቈላ እንተለዎ፡ ወይ መውደቕ ዛዕጐል እንተ ዀነ፡ ሞት ይሙት፡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 9:22 | 3 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ዮራም ንየሁ ምስ ረአዮ፡ የሁ፡ ደሓን ዲኻ፧ በለ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ናይ ኣዴኻ ኢዛቤል ምንዝርናን እቲ ብዙሕ ኣስማታን ክሳዕ ዘሎ፡ እንታይ ደሓኑ እዩ፧ በለ።

Translation | Context
ዳንኤል 2:27 | 3 Helpful votes

ዳንኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ ነዛ ንጉስ ዙሐተላ ዘሎኢ ምስጢርስ እቶም ጠቡባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን ንንጉስ ኪነግርዎ ኣይኽኣሉን እዮም፣ ኢለ መለሰ።

Translation | Context
ዘዳግም 18:9-14 | 3 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን። እቶም ንስኻ እትወርሶም ህዝብታት፡ ነቶም ብደበና ዚፈልጡን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ይሰምዑ፡ ንኣኻ ግን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ዝበለ ኣይፈቐደልካን።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 8:9-13 | 2 Helpful votes

ስምኦን ዚብሀል ጠንቋሊ ሰብኣይ ግና ካብ ቀደም ሒዙ ኣብታ ኸተማ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ዓብዪ እየ ብምባሉ ንህዝቢ ሰማርያ የስተንክሮም ነበረ። ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም፡ እቲ ዓብዪ ዚብሀል ሓይሊ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ እናበሉ ጽን ይብልዎ ነበሩ። ሓያሎ ዘመን ብጥንቈላኡ ስለ ዘስተንከሮም ድማ፡ ጽን ይብልዎ ነበሩ። ፊልጶስ ግና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ስም የሱስ ክርስቶስን ኣበሲርዎም፡ ምስ ኣመንዎ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠምቁ። ስምኦን ባዕሉ እኳ ድማ ኣመነ፡ ምስ ተጠምቀ ኸኣ፡ ናብ ፊልጶስ ለገበ። ትእምርትን ዓበይቲ ሓይላትን ኪግበር ምስ ረአየውን፡ ተገረመ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 28:7 | 2 Helpful votes

ሽዑ ሳኦል ንገላዉኡ፡ ናብኣ ኸይደ ኽጥይቓስ፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ ድለዩለይ፡ በሎም። እቶም ገላዉኡ ኸኣ፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ እንሃ፡ ኣብ ዔን-ዶር አላ፡ በልዎ።

Translation | Context
ሚክያስ 5:12 | 2 Helpful votes

ካብ ኢድካ ኣስማትነት ከጥፍእ እየ፣ ጠንቈልቲ ኸኣ ኣይኪህልዉካን እዮም።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:6-8 | 2 Helpful votes

ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ስሕተትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 27:9 | 2 Helpful votes

ምእንቲ ኣነ ኽሰጐኩምን ክትጠፍኡንሲ፡ ካብ ሃገርኩም ኬርሕቑኹም ኢሎም እዮም ሓሶት ዚንበዩልኩም ዘለዉ እሞ፡ ንስኻትኩም ነቶም፡ ንንጉስ ባቢሎን ኣይክትግዝኡን ኢኹም፡ ዚብሉኹም ነብያትኩምን ጠንቈልቲታትኩምን ሕልሚ ዚሐልሙልኩምን ዚፈልጡልኩምን ሰብ ኣስማትኩምን ኣይትስምዕዎም።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:1-6 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ዝዀነ ሰብ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዝነብሩ ጓኖት፡ ካብ ዘርኡ ንሞሎኽ ዝህብ፡ ሞት ይሙት፡ ህዝቢ እታ ሃገር ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ። መቕደሰይ ኬርክስን ቅዱስ ስመይ ከኣ ኬሕስር፡ ካብ ዘርኡ ንሞሎኽ ሂቡ እዩ እሞ፡ ኣነ ገጸይ ናብቲ ሰብ እቲ ኽመልስ፡ ካብ ህዝቡ ድማ ክምንቕሶ እየ። እቲ ሰብኣይ ዘርኡ ንሞሎኽ ኪህብ ከሎ፡ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ከይቐትልዎ ኣዒንቶም እንተ ዐመቱ፡ ሽዑ ኣነ ናብቲ ሰብኣይ እትን ናብ ቤተ ሰቡን ገጸይ ክመልስ እየ፡ ንእኡን ነቶም ምስ ሞሎኽ ኪምንዝሩ ብምንዝርና ዚስዕብዎ ዂሎም ድማ ካብ መንጎ ህዝቦም ክምንቊሶም እየ። ናብቶም መናፍስቲ ጥንቈላ ዘለውዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ብምንዝርና ኽትስዕቦም ኢላ እትምለስ ነፍሲ፡ ኣነ ገጸይ ናብታ ነፍሲ እቲኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ መንጎ ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:26 | 2 Helpful votes

ምስናይ ደም ገለ እኳ ኣይትብልዑ። ኣይትጠንቊሉን ኣይተማርቱን።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:8-10 | 2 Helpful votes

ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ። ኣብኡ ብዘሎ ምልኣት መለኮት ብስጋ ሐዲርዎ እዩ እሞ፡ ንሱ ርእሲ ዅሉ ሕልቅነትን ስልጣንን እዩ፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ተመሊእኩም አሎኹም።

Translation | Context
2ይ ነገስት 17:17 | 2 Helpful votes

ነወዳቶምን ነዋልዶምን ከኣ ብሓዊ ኣሕለፍዎም፡ ዛዕጐል የውድቑን የማርቱን ድማ ነበሩ። ምእንቲ ኬዀርይዎ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባር ርእሶም ሸጡ።

Translation | Context
ዳንኤል 1:20 | 2 Helpful votes

ብዛዕባ እቲ ንጉስ ዝጠየቖም ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ኵሉ ነገር፣ ካብቶም ኣብ ግዝኣቱ ዝነበሩ ጠቢባንን ፈለጥትን ዓሰርተ ኢድ በሊጾም ረኸቦም።

Translation | Context