Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

diseases


ኤርምያስ 33:6 | 12 Helpful votes

እንሆ፡ ኣነ ኽሰፍፋን ክፍውሳን እየ። ኣነ ኸሕውዮም፡ ብዝሒ ሰላምን ሓቅን ድማ ክገልጸሎም እየ።

Translation | Context
መዝሙር 103:3 | 7 Helpful votes

ንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፣ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስ፣

Translation | Context
መዝሙር 107:20 | 6 Helpful votes

ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም፣ ካብ ጕድጓዶም ከኣ ኣናገፎም።

Translation | Context
ዘጸአት 23:25 | 6 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፡ ንሱ ኸኣ እንጌራኻን ማይካን ኪባርኸልካ እዩ። ሕማም ከኣ ካብ ማእከልካ ኸርሕቕ እየ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:7-10 | 6 Helpful votes

ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ። እዚ ኻባይ ኪርሕቕ፡ ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓጕ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ።

Translation | Context
ምሳሌ 17:22 | 5 Helpful votes

ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ።

Translation | Context
መዝሙር 103:2-4 | 5 Helpful votes

ነፍሰይ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፣ ንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፣ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስ፣ ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋ፣ ብሳህልን ምሕረትን ዚኽልለኪ፣

Translation | Context
ማርቆስ 5:26 | 4 Helpful votes

ንሳ ብብዙሓት ሓኪማት ብዙሕ ተሰቀየት፡ ኵሉ ገንዘባውን ወድኤት፡ ግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይጠቐማን።

Translation | Context
ዘጸአት 15:26 | 3 Helpful votes

በለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እቲ ኣብ ዓይኑ ቕኑዕ ዝዀነ ኸኣ እንተ ገበርካ፡ ንትእዛዛቱውን ጽን እንተ በልካ፡ ኵሉ ሕጋጋቱ ድማ እንተ ሐሎኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ፈዋሲኻ እየ እሞ፡ እቲ ናብ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሕማም ኣይሰደልካን እየ።

Translation | Context
መዝሙር 116:8 | 3 Helpful votes

ንነፍሰይ ካብ ሞት፣ ነዒንተይ ካብ ንብዓት፣ ነእጋረይ ካብ ምውዳቕ ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣

Translation | Context
ኢሳይያስ 53:4-5 | 3 Helpful votes

ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዐኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 16:12 | 3 Helpful votes

ኣሳ ኸኣ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመት መንግስቱ ኣእጋሩ ሐመመ፡ እቲ ሕማሙ ኣዝዩ ብርቱዕ ኰነ። በቲ ሕማሙ ግና ንሓኪማት እምበር፡ ንእግዚኣብሄር ኣይደለዮን።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:8 | 2 Helpful votes

ድያብሎስ ካብ መጀመርታ ሓጢኣት ይገብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር ካብ ድያብሎስ እዩ። ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ እዩ ነዚ እተገልጸ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 7:14 | 2 Helpful votes

እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።

Translation | Context
መዝሙር 21:4 | 2 Helpful votes

ህይወት ለመነካ፣ ምንዋሕ ዕድመ ንሓዋሩ ንዘለአለም ሀብካዮ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 26:17-20 | 2 Helpful votes

ካህን ኣዛርያ፡ ምስኡ ሰማንያ ተብዓት ክህናት እግዚኣብሄር ሒዙ ደድሕሪኡ ኣተወ። ንሳቶም ንንጉስ ዑዝያ ተቓወምዎ፡ ከምዚ ኢሎም ከኣ ተዛረብዎ፡ ዎ ዑዝያ፡ ንእግዚኣብሄር ዕጣን ምዕጣንሲ ናይቶም ኪዐጥኑ እተቐደሱ ኻህናት ደቂ ኣሮን እዩ እምበር፡ ናትካ ኣይኰነን። በዲልካ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣይኬኽብረካን እዩ እሞ፡ ካብ ቤት መቅደስ ውጻእ። ሽዑ ዑዝያ ዀረየ፡ ነታ ዚዐጥነላ ጽንሃህ ከኣ ሒዝዋ ነበረ። ነቶም ካህናት ኪዂርየሎም ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዕጣን፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናት ኣብ ግምባሩ ለምጺ ወጸቶ። ሊቀ ኻህናት ኣዛርያን ኲሎም ካህናትን ድማ ጠመትዎ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ግምባሩ ለምጻም ነበረ እሞ፡ ካብኡ ተቐላጢፎም ኣውጽእዎ። እግዚኣብሄር ስለ ዝቐጽዖ ባዕሉውን ቀልጢፉ ወጸ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 21:12-19 | 2 Helpful votes

ግናኸ ካብ ነብዪ ኤልያስ ከምዚ እትብል ጽሕፈት መጸቶ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብለካ አሎ፡ ብመገዲ ኣቦኻ ዮሳፋጥን ብመገዲ ኣሳ ንጉስ ይሁዳን ስለ ዘይከድካ፡ ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ግና ስለ እተመላለስካ፡ ከምቲ ቤት ኣከኣብ ዝገበረቶ ንይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ንዚነብሩን ስለ ዘመንዘርካዮም፡ ነቶም ናይ ቤት ኣቦኻ ኻባኻ ዚሔሹ ዝነበሩ ኣሕዋትካውን ስለ ዝቐተልካዮም፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንህዝብኻን ንደቅኻን ነንስትኻን ንብዘሎ ጥሪትካን ብዓብዪ መቕዘፍቲ ኪቐዝፎም እዩ። ንስኻ ድማ ኣምዑትካ ብምኽንያት ሕማም በብጊዜኡ ኽሳዕ ዚወጽእ፡ ኣብ ኣምዑትካ ብርቱዕ ሕማም ክትሐምም ኢኻ። እግዚኣብሄር ድማ መንፈስ ፍልስጥኤማውያንን እቶም ኣብ መንጽር ኢትዮጵያ ዚነብሩ ዓረባውያንን ኣብ ልዕሊ ዮራም ኣተንስኤ። ናብ ይሁዳ ደዪቦም ኣተውዋ እሞ ኣብ ቤት ንጉስ ንተረኽበ ዂሉ ገንዘብ በዝበዙ፡ ደቁን ኣንስቱውን ወሰዱ፡ ብዘይ ዮኣስ፡ እቲ ኻብቶም ደቁ ዝነኣሰ፡ ገለ ወዲ ኣይተረፎን። ድሕርዚ ዂሉ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ ኣምዑቱ ብዘይፍወስ ሕማም ወቕዖ። ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምኡ ኢሉ ጊዜ ሐለፈ፡ ክልተ ዓመት ምስ ተወድኣ ኸኣ፡ ኣማዑቱ ብምኽንያት ሕማሙ ወጸ፡ ብብርቱዕ ቃንዛ ድማ ሞተ። ህዝቡ ኸኣ፡ ከምቲ ምሕራር ኣቦታቱ፡ ምሕራር ኣይገበሩሉን።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 19:12 | 2 Helpful votes

መኣረምያኡ ወይስ ክዳኑ ኻብ ዝባኑ ወሲዶም ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ ሕማሞም ይሐድጎም፡ ርኹሳት መናፍስቲውን ካባታቶም ይወጹ ነበሩ።

Translation | Context