Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

discontent


እብራውያን 13:5 | 10 Helpful votes

ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:18 | 9 Helpful votes

እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:15 | 9 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፥ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ፡ በሎም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:6-10 | 9 Helpful votes

ግናኸ ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። ማለት፥ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ፡ ንሱ ይእከለና። እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።

Translation | Context
መዝሙር 37:4 | 8 Helpful votes

ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ፣ ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:10-13 | 6 Helpful votes

ደጊምሲ ኽትሐስቡለይ ሓድሽ ህይወት ሕጂ ስለ ዝረኸብኩም፡ ብጐይታ ብዙሕ እሕጐስ አሎኹ፡ ዘይሰለጠኩም ደኣ ዀይኑ እምበር፡ ቀደም ከኣ ሐሲብኩም ኔርኩም። ኣነስ በቲ ዘሎኒ ይአኽለኒ ምባል ተምሂረ እየ እሞ፡ ስኢነ ስለ ዘሎኹ ኣይኰንኩን እዚ ዝብሎ ዘሎኹ። ትሕት ምባል እፈልጥ፡ ሕልፍን ትርፍን እፈልጥ እየ። ጽጋብን ጥሜትን ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን፡ ኣብ ኵሉን ብዅሉን ልሙድ እየ። በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 6 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:33 | 5 Helpful votes

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:7 | 5 Helpful votes

ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:24 | 5 Helpful votes

ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ  ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 4 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:10 | 4 Helpful votes

ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕዘምዘሙ እሞ እቲ መጥፍኢ ዘጥፍኦም፡ ኣይነዕዘምዝም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:7-12 | 4 Helpful votes

ኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ። መወዳእታኡ ኸኣ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም፡ እትዳናገጹ፡ ሕውነት እተፍቅሩ፡ ለዋሃት፡ ትሑታት ኩኑ፡ ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱ፡ ነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ። ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን።

Translation | Context
ሉቃስ 11:13 | 4 Helpful votes

እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንደቕኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧

Translation | Context
ሉቃስ 3:14 | 3 Helpful votes

ዓቀይቲውን፥ ንሕናኸ እንታይ ንግበር፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ንሓደ እኳ ኣይትግፍዑ፡ ብሓሶትውን ኣይትኽሰሱ፡ ደደመወዝኩም ከኣ ይእከልኩም፡ በሎም።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 8:9 | 3 Helpful votes

ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ንስካትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ሃብታም ክነሱስ፡ ምእንታኻትኩም ደኸየ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 9:11 | 3 Helpful votes

ንስካትኩም ከኣ ብዅሉ በቲ ብኣታትና ገይሩ ንኣምላኽ ምስጋና ዚዓዪ ልግሲ ኽትህብትሙ ኢኹም።

Translation | Context