Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

disagreement


ማቴዎስ 18:15-17 | 31 Helpful votes

ሓውካ እንተ በደለካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንሓውካ ረባሕካዮ። እንተ ዘይሰምዓካ ግና፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕ፡ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ፡ ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰሞኣ ግና፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ።

Translation | Context
ሮሜ 14:1 | 12 Helpful votes

ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩም፡ ተቐበልዎ።

Translation | Context
ያእቆብ 4:11 | 11 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ንሓድሕድኩም ኣይተተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዚሐሚ ወይስ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ ነቲ ሕጊ ይሐምዮ፡ ኣብ ሕጊውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርድ ግና፡ ፈራዲ እምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:1-13 | 8 Helpful votes

ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ ፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸ፡ እቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ። ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ። ሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።

Translation | Context
ዮሃንስ 7:24 | 7 Helpful votes

ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:1 | 6 Helpful votes

ሓደ ኻባኻትኩም ምስ ብጻዩ ነገር እንተ ኣአዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ቅዱሳን ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓመጽቲዶ ኺፋራረድ ይደፍር እዩ፧

Translation | Context